2010-07-29 15:20:23

ብፁዕ ኣቡነ በርቲን፣ ቅልውላው ሶማሊያ


ኣብ ኡጋንዳ ርእሰ ከተማ ካምፓላ ዝተኻየደ ናይ መራሕቲ መላእ ሃገራ ኣፍሪቃ ጉባኤ ብናይ ሶማሊያ ጉዳይ ብፍላይ ድማ እቲ ኣብታ ሃገር መዕለቢ ዘይረኸበ ማኅበራውን ፖለቲካውን ኤኮኖሚያውን RealAudioMP3 ቅልውላውን ብዛዕባ እቲ ድኹም ናይ መሠጋገሪ መንግሥትን ናይታ ሃገር ሕዝቢ ኣጋኒፍዎ ዘሎ ናይ ሰብኣዊ ሽግራትን ስደትን መከራን ዓቢ ትኵረት ከምዝገበረሉ ክንገር እንከሎ፣ ብፍላይ ብቃልሲ ጸረ ሽበራን ኣሸበርትን፣ ነታ ሃገር ብዅሉ መዳይ ንምድጋፍ ዝግበር ጻዕሪ ፍታሕ ከምጽእ ዘይምኽኣሉን ነቲ ኣብታ ሃገር ተዋፊሩ ዘሎ 4 ሺሕ ናይ ኣፍሪቃ ዓቃቢ ሰላም ጉዳያት ኣመልኪቶም፣ ኣብ ሶማሊያን ጁቡቲን ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ወኪል ብፁዕ ኣቡነ ጆርጆ በርቲን ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃል ምልልስ ሓቢሮም፣ ኣብ ልዕሊ እቲ ንናይ ሶማሊያ ናይ ሰላም ሕንጸት ናይ ልምዓትን ድጋፍን መደብ፣ ብዙሕ እምነት ከምዘይብሎም ምስምቲ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ዘቕረቦ ሓበሬታ ዝሰማማዕ ሓሳብ ኣብ ዝሃብዎ መገልጺ ከምዘምልከቱ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ኣብ ሶማልያ ዝተዋፈረ ናይ ኣፍሪቃ ዓቃቢ ሰላም ብኃይሊ ሰብ ክብ ምባል ንበይኑ መፍትሒ ኣይኮነን፣ እዚ ናይ ሰላም ዓቃቢ ተልእኾ ብመደብ ፖለቲካን ኤኮኖምን ናይ ሰላም ዘተን ክስነ ኣለዎ። ቅድሚ ናይ ካምፓላ ጉባኤ ናይ ሃገራት ምሥራቕ ኣፍሪቃ መራሕቲ ጉባኤ ተኻይዱ ኢዩ፣ እዚ ጉባኤ ብዛዕባ ጉዳይ ሶማሊያ እንታይ ውሳኔ ከምዘሕለፈን ንጉዳይ ሶማሊያ መፍትሒ ኢዩ ቢሉ ዘቕረቦ ሓሳብ እንታይ ምዃኑ ገና ኣይተገልጸን። እዚ ንባዕሉ ሓደ ሽግር ኢዩ። እቲ ኣብ ሶማሊያ ዘሎ ናይ መሠጋገሪ መንግሥቲ ገለ ገለ ክፍሊ ከተማ ሞቓዲሾ ጥራሕ እንተዘይኮኑ ካልእ ክፍሊ ከተማታት ኣብ ኢድ ዝተፈላለዩ ዕጡቓት ሓይልታት ምስልምና ኢዩ ዘሎ። ሕዝቢ ድማ ናይዚ ሕንፍሽፍሽ ኵነት ጀሆ ኮይኑ ኢዩ ዘሎ ምስ በሉ ኅበረት ኤውሮጳ ንናይ ሰማሊያ ናይ ሰብኣዊ ደገፍ 35 ሚሊዮን ኤውሮ ከምዝመደብ ዘኪሮም ኣብ ሕንጸት ቤት ሕክምና ኣባይቲ ትምህርትን ዝውዕል ድዩ ወይ ከኣ ከምቲ ክበሃል እንሰምዖ ነቲ ኣብ ኡጋንዳ ክቐውም ዝበሃል ዘሎ ናይ ሶማሊያ ወተሃደራዊ ማእከል ዝውዕል ኢዩ ዝብል ሕቶ ብምቕራብ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.