2010-07-29 15:23:54

ርእይቶ ናይ ፊሊፒንስ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ


ኣብ ፊሊፒንስ ኣብ ዝተኽየደ ሕዝባዊ መረጻ በኒኞ ኣኵይኖ ከምዝሰዓሩ እንክዝከር፣ እዞም ናይ ፊሊፒንስ ሓድሽ ርእሰ ብሔር ኮይኖም ብሕዝቢ ድላይ ዝተሓርዮ ዘቕረብዎ ቀዳማይ ሓገራዊ መልእኽቲ RealAudioMP3 ፣ ማኅበራውን ፖለቲካውን ኤክኖሚያውን ጉዳይ ፊሊፒንስ ብክውንነት ዝርኢ ኢዩ እንክብል ናይ ናይ ፊሊፒንስ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ከምዝገለጾ ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ርእሰ ብሔር ኣኵይኖ ኣብ ፊሊፒንስ ዝርኤ ምግባረ ብልሽውናን ብላዕን ናይ ገበን ጉጅለታት ንምጥፋእ ዝዓዪ ፍሉይ ድርገት ከቑሙ ምዃኖምን ሕዝቢ ፊሊፒንስ ኣብ እግዚኣብሔር ዘለዎ እምነቱ ኣጽኒዑ፣ ኣዚ ዝተመርጸ ሓድሽ መንግሥቲ እቲ ዝሓለፈ መግንሥቲ ዝፈጸሞ ጌጋታት ዘይደግም ከምዝኸውን ዘለዎም ጽኑዕ እምነት ናይ ሕዝቢ እምነት ከምዝኸውንን ብቐዳምነት ኣብ ፊሊፒንስ መላእ ሰላም ንምርግጋጽ ምስቶም ዕጡቓት ኃይልታት ምስልምና ናይ ሰላም ዝተ ሕጹጽ መደብ ናይ መንግሥቶም ከምዝኾነን ክረጋግጽ እፈቱ ከምዝበሉ ክንገር እንከሎ፣ ናይ ፊሊፒንስ ብፁዓን ጳጳሳት እቲ መልእኽቲ ጥንቁቕን ክውነታውን ኢዩ ኢሎም። ናይ መራኸቢ ብዙሃን ነጻነት ከረጋገጽን፣ ናይ ሕርሻ ጉዳይ ዝምልከት መምርሒ ምምሕያሽን ናይ ሥራሕ ዕድላት ክፈጥርን ብዛዕባ ባህርዪ ምብዛሕ ፍጠረት ሰብ ዝምልከት ሕጊ ከቕውም ናይ ፊሊፒንስ ብፁዓን ጳጳሳት ከምዘተሓሳሰቡ ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.