2010-07-28 09:15:15

ናይ መላእ ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ


ኣብ ጋና ርእሰ ከተማ ኣክራ ብምኽንያት መበል 40 ዓመት ምሥረታ ናይ መላእ ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ መበል 15 ዓመታዊ ኣኼባኡ ሎሚ ከምዝጀመረ ተሓቢሩ። እዚ መበል 40 ዓመት RealAudioMP3 ዝኽሪ ምሥረታ ናይ መላእ ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዝካይዶ መበል 15 ሓፈሻዊ ኣኼባ፣ ርእሰ ምሕደራን ትጽቢታትን ንቤተ ክርስትያን ኣብ ኣፍሪቃ ብዝብል ኣርእስቲ ዝምራሕ ምዃኑ እንክንገር፣ ነቲ ኣኼባ ብዘረባ ዝኸፈቱ ናይ ኣክራ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ጋብሪኤል ቻርለስ ፓልመር ቡክለ፣ ምስ ራዲዮ ቫቲካብ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ኣብዚ ኣኼባ ካብ መላእ ሃገራት ኣፍርቃን ምዳጋስካርን ዝተዋጽኡ ብፁዓን ካርዲናላትን ኣቡናትን ኣባላት ውሉደ ክህነትን ገዳማውያንን ደናግልን ዓለማውያን ምእመናን ዝሳተፍሉ ከምዝኾነ ሓቢሮም። ርእሰ ብቕዓትን ርእሰ ዓቕምን ኣብ ዝብሉ ነጥብታት ኣተኲሮም፣ ኣፍሪቃ ብዙሕ ተቐቢላ እያ፣ ሕጂ ብተራኣ ከምቲ ዝተቐበለቶ እትህበሉ እዋን ኢዩ። እግዚኣብሔር ይመስገን ይብሉ፣ ኣብ ኣፍሪቃ ጸዋዕታ ካህናትን ደናግልን ገዳማውያንን እዅል ተረፍ ኢዩ፣ ስለዚህ ኵላውነት ቤተ ክርስትያን ኣብ ዘንጸባርቕ መዳያት ክትዋሳኣን፣ ኣብ ተልእኾ ቤተ ክርስትያን ሱታፌኣ ክብ ከተብል ተጸዊዓ ኢያ። መንፈሳዊ ባህላ ከተካፍልን፣ እቲ ዘለዋ ሃብታም ሃይማኖታዊ ባህሊ ብናይ ክርስትና ርእየት ነጺሑ ንኵላዊት ቤት ክርስትያን ዘህብትም ኢዩ ኢሎም። ከምቲ ዝተውሃበካ ምሃብ ማለት ኣታውን ወጻእን ምምዝዛን ማለት ዘይኮነስ፣ ለጋስ ምዃን ማለት ኢዩ፣ ካብቲ ዝተቐበልካዮ ንላዕሊ ክትህብ እውን ቅሩብ ምዃን የድሊ ከምዝብሉ ተሓቢሩ።

ኣፍሪቃ ካብ ዝሓለፉ 500 ዓመታት ንነጀው ናይ ተፈጥሮ ማዕድናታ ብድላይ ድዩ ብኃይሊ ንኻልኦት ሃገራት ምዕባለ መሠረት ኮይኑ ጸኒሑ ኢዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ ጕልበት ሰብ ተቕርብ ኣላ፣ ቀረብ ጉልበት ሰብ ኣብ ቤተ ክርስትያን ንቤተ ክርስትያን ዝውዕል እውን ኢዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ ዓለም ብስለት ኣፍሪቃ ከኽብርን፣ ኣብ ዝኾነ ይዅን መድረኽ ብማዕረ ደረጃ ተሳታፊት እትኾነሉን እትቐርበሉ እዋኑ ኣኺሉ ኢዩ፣ ስለዚህ ኣፍሪቃ ኣብ ዓለም ለኻዊ መድረኻት ምስ ካልኦት ሃገራት ድምጻ ብማዕረ ደረጃ እተስምዓሉ እዋን ኢዩ ኢሎም።

እቲ ህጹጽ መርሃ ግብሪ፣ ኣብ ኣፍሪቃ ብቑዕ ኣባይቲ ትምህርቲ ዘርኣ ክህነትን፣ ነቶም ናይ ጽባሕ ወለዶ ተስፋ ሃገራት ኣፍሪቃን መላእ ኣፍሪቃን ዝኾኑ መንእሰያት ብብቕዓት ዝተማልኤ ብሰብኣውን፣ ብሙያውን ብጥበብን ዝሕነጽሉ ኣባይቲ ትምህርትን መናብርተ ጥበብን ምስፋሕ የድሊ። ብኻልእ መዳይ ድማ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ናይ ዕርቂ ባህሊ ምርግጋጽ ኣገዳሲ ኢዩ። ኣብታ ክፍሊ ዓለም ዝረኣዩ ግርጭታትን ሁከትን ውጥረትን ብናይ ዘተ መድረኽ ዝፍታሕ እምበር ብብረታዊ ቃልሲ ክኸውን ከምዘይብሉን፣ ብረታዊ ቃልሲ መፍትሒ ከምዘይኮነ ዝኣምን ዘተ መፍትሒ ምዃኑ ብዕምቀት ምርዳእ የድሊ። ምእንቲ’ዚ ናይ ዕርቅን ፍትሕን ሰላምን መደብ ሕንጸት ምርግጋጽ ኣገዳሲ ኢዩ ምስ በሉ፣ ቤተ ክርስትያን ኣብ ኣፍሪቃ እዞም ዓበይቲ ክቡራት ዋጋታት መታን ክረጋገጽ ዓቢ ኣገልግሎት ተቕርብ እላ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።







All the contents on this site are copyrighted ©.