2010-07-28 09:18:20

ሓናጺ ዘተ፣ ኣብ መንጎ እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያንን ሉተራን ቤተ ክርስትያንን


ኣብ ፈደራላዊት ጀርመን ናይ ፍሪበርጎ ሊቀ ጳጳስን ናይ ጀርመን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ሮበርቶ ዞሊትሽ፣ ነቶም ንናይ ዓለም ለኸ ፈደራላዊ ማኅበር ሉተራን ኣቢያተ RealAudioMP3 ክርስትያን ሊቀ መንበር ንኽኾኑ ዕለት 24 ሓምለ 2010 ዓ.ም. ኣብ ስቱትጋርድ ዓለም ሓቆፍ ፈደራላዊ ማኅበር ሉተራን ኣቢያተ ክርስትያን ኣብ ዘካየዶ ጉባኤ ዝተመርጹ ናይ ኣብ እየሩሳሌምን ዮርዳኖስን ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ዝፍጽሙ ናይ ሉተራን ቤተ ክርስትያን ብፁዕ ኣቡነ ሙኒብ ዩናን ዝህብዎ ኣገልግሎት ዕዉት ክኸውን ናይ ሰናይ ኣገልግሎት መግልጺ መልእኽቲ ኣተሓላሊፎም፣ እቲ ኣብ መንጎ ካቶሊክን ሉተራን ኣቢያተ ክርስትያን ዝካይድ ዘሎ ናይ ሓባር ዘተ ሓናጺ ምዃኑ ገሊጾም፣ እቲ ዘተ ክተባባዕ ሓደራ ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣግልግሎት ሓቢሩ።

ብፁዕ ኣቡነ ዞሊትሽ ኣብ ዘተሓላለፍዎ መልእክቲ፣ እቲ ኣብ መንጎ እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያንን ሉተራን ኣቢያተ ክርስትያንን ብዛዕባ ድሕነትን ቅቡልነትን ብጠቕላላ ምኽንያት ድሕነት ሰብ ዝብል ናይ ሃይማኖት ትምህርቲ ጉዳይ ኣብ ናይ ክልትኤን ኣቢያተ ክርስትያን ዘሎ ርክባትን ብዝምልከት ዝተበጽሑ ናይ ሓባር ስምምዓት ጠቒሶም፣ እቲ ናይ ክልትኤን ኣቢያተ ክርስትያን ናይ ሓባር ዘተ ናይቲ ተበጽሑ ዘሎ ናይ ሓባር ስምምዕ ኣሰር ዝኽትል ክኸውን ሓደራ ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ፣ ናይ ዓለም ለኸ ፈደራላዊ ማኅበር ሉተራን ኣቢያተ ክርስትያን ምስ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስትያን ዝግበር ዘተ ዝሓሊ ድርገት ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ጀራርድ ሉድዊግ ሚዩለርን ኣቲ ብኣኦም ዝምራሕ ድርገት ዝእመን ኢዩ ቢሎም ብምምሥጋን ንብፁዕ ኣቡነ ዩናን ሰናይ ኣገልግሎ ተመንዮም እግዚኣብሔር ኣብ ቅድስቲ ሃገርን ዮርዳኖስን ዝርከቡ ንናይ ሉተራን ቤተ ክርስትያን ምእመናን ዘቕርብዎ ኣገልግሎቶም ክባርኽ ከምእተማሕጸኑ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ኣንከሎ ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ሲየና ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስትያን ዝግበር ዘተ ዝከታተል ድርገት ናይ ማስታወቂያን ሕዝባዊ ርክባት ጉዳይ መበል 47 ክፋላዊ ኣኼባኡ ቅድሚ ትማሊ ከምዝጀመረ ክንገር እንከሎ፣ እዚ ዝካይድ ዘሎ ኣኼባ እቲ ኣብ 1910 ዓ.ም. ኣብ ኤዲምብርግ ዓለም ሓቆፍ ሃዋርያዊ ግብረ ተልእኮ ጉባኤ መላእ ኣቢያተ ክርስያን፣ እቲ ሎሚ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስያን ዝግበር ናይ ሓባር ዘተ ዝተክኦ፣ ተመሳሳሊ ብዝኾነ ወንጌላዊ ኣገልግሎት ተማእኪሉ ሓደ ቢሉ ዝተበገሰ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስትያን ዝግበር ናይ ሓባር ዘተ ዝውክል ምኳኑን ለብዘበን ዘብዕሎ ዘሎ መበል 100 ዓመት ጅማሬ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስያን ናይ ሓባር ዘተ ምኽንያት፣ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ብዛዕባ ናይ ሓባር ዘተ ዝብሎን ዝተበጽሐ ደረጃን እቲ ናይ ሓባር ዘተ ናበይ ገጹ የብል ከምዘሎ ዝድህስስ ክሳብ ዕለት 31 ሓምለ 2010 ዝቕጽል ኣኼባ ምዃኑ ተሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.