2010-07-24 14:17:34

ድኽነት፣ ስደትን ጉድለት ክንክን ጥዕና


ናይ ኢጣሊያ ናይ ሥራሕን ሠራሕተይናታትን ደገፍን ጉዳይ ሚኒስትር ማውሪዚዮ ሳኮኒ ቅድሚ ትማሊ ሮማ ኣብ ዝርከብ ቅዱስ ጋሊካኖ ቤት ሕክምና ምብጻሕ ኣካይዶም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፣ እቲ RealAudioMP3 ቤት ሕክምና ብጠንቂ ድኽነት ዝተኣታተዉ ሕማማትን ድኽነት ብዘስዕቦ ናይ ኤኮኖሚ ሕጽረት ካብ ኣገልግሎት ሕክምና ንዝንጸሉ ክፍሊ ኅብረሰተሰብ ዘቕርቦ ኣገልግሎት ሕክምና ዝነኣድ ኣብነት ኢዩ ከምዝበሉ ተሓቢሩ።

ኣብ ሮማ ዝነብሩ ስደተይናታት ካብዚ ቤት ሕክምና ንዝቐርበሎም ኣገልግሎት ሚኒስትር ሳኮኒ ኣመስጊኖም፣ እዚ ቤት ሕክምና ንናይ ማኅበራዊ ክንክን ጥዕና ዝኸተሎ ሜላ ፍጹም ኣብነት ኢዩ፣ ስለዚህ ኣብ ካልኦት ኣባይቲ ሕክምና ኣብ ግብሪ ክውዕል ዝግብኦ ኢዩ ከምዝበሉ ተገሉጹ። በዚ ኣጋጣሚ ኣብ ሳን ጋሊካኖ ቤት ሕክምና ናይ ሕጹጽ ሕክምና መውሃብን ብጉዕዞ ባሕሪ ካብ ሊቢያ ናብ ኢጣሊያ ንዝውሕዙ ስደተይናታት ዝቐርብ ናይ ሕክምና ኣግልግሎት ንሓጺር ኣዋን ዝመርሑ ፕሮፈሰር አልዶ ሞሮነ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበውሮ ቃለ ምልልስ፣ እቲ ብዛዕባ ድኽነትን ክንክን ጥዕናን ዝምልከት ብሔራዊ ተቛም ናይቶም ብድኽነት ዝጥቅዑ ክፍሊ ሕብረተስብን ብዝተፈላለየ ምኽንያት ተነጺሎም ዝነብሩን ስደተይናታትን ዘተኮረ ናይ ሕክምና ኣገልግሎት ዘቕርብ ምዃኑ ገሊጾም፣ እቶም ናይ ጡረታ ደሞዞም ኵሉ ንኸማልኣሎም ዘይኽል ኣረጋውያንን በቲ ዘሎ ናይ ኤኮኖሚ ቅልውላው ኣብ ስእነት ሥራሕ ዝወደቑን ገና ሥራሕ ዘይረኸቡ ስደተይናታትን ጣልያንን ዘይጣልያንን ንዅሉ ብድኽነት ንዝተጠቕዔ ግዳም ሓደር ንዝኾኑን ብሓፈሻኡ ኣብ ሽግር ወዲቖም ንዝርከቡ ምሉእ ናይ ሕክምና ኣገልግሎት ዝህብ ኢዩ።

ሕጊ ይፍቕዶ ኣይፍቀዶ ሰብ ከብ ሰብ መጠን ኣብ ዝኾነ ይዅን ኩነት ይሃሉ ዘይሕጋዊ ስደተይና እውን እንተኾነ ሕክምና ዘድልዮ እንተድኣ ኾይኑ ግቡዕ ናይ ሕክምና ኣገልግሎት ዘቕርብ ናይ ሕክምና ተቛም ኢዩ ኢሎም።

እቶም ብሊቢያ ኣቢሎም ብጉዕዞ ባሕሪ ናብ ኢጣሊያ ዝኣተዉ ዘይሕጋውያን ስደተይናታት ዝበሃሉ ናብ ኢጣሊያ ኣብ ዝኣተውሉ እዋን ናይዚ ተቛም ሓኻይምን ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን ተዋፊሮም ኣገልግሎት ሕክምና ብምቕራብ ኣብ ኣገልግሎት ግብረ ሰናይ ዝተዋፈር ምዃኑ ሓቢሮም፣ ክንክን ጥዕና መሰል ኵሉ ፍጥረት ሰብ ኢዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.