2010-07-24 14:15:47

ዛምቢያ፦ ብፁዓን ጳጳሳት ብዛዕባ ቅዋም ሃገር


ናይ ዛምቢያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣብ ሃገሮም ኣብዚ ኣዋን እዚ ተሓንጺጹ ዘሎ ቅዋም ሃገር ኣማእኪሎም ኣብ ዘተሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ እቲ ናይ ዛምቢያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣብቲ RealAudioMP3 ናይ ቅዋም ሃገር ኣርቃቒት ሽማግለ ክዋሳእ ከምዝግብኦ ሓቢሮም፣ እቲ ብዛዕባ ቅዋም ዝከታተል ብሔራዊ ጉባኤ ኣባላት ናይቲ ኣብ መርሕነት

ዘሎ ናይ ብዙኃን ናይ ፖለቲካ ሰልፊ ኣባላት ዝዕብልለሉ ብምዃኑ፣ እቲ ከይዲ ሕንጻጼ ቅዋም ሃገር ዘይተመዓራረየ ክኸውን ዝድርኽ ዓቢ ፈተና ምዃኑ ብምምልካት፣ ኣብቲ ናይ ቅዋም ሃገር ብሔራዊ ጉባኤ፣ ብዝተመዓራረየ ጽፍሒ ንመላእ ሕዝቢ ሃገር ዝውክል ኣካል ክህሉ ብፁዓን ጳጳሳት ዛምቢያ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ሓቢሮም፣ እቲ ተሓንጺጹ ዘሎ ቅዋም ድኽነት ትሕዝቶ ዘለዎ ኢዩ ከምዝበሉ ተገሊጹ።

ናይ ዛምቢያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ መግለጺ፣ እቲ ዝተሓንጸጸ ቅዋም ሃገር ናይ ሕይወት ባህሊ ዘኽብርን ኢሰብኣዊ ተግባራት ዝቃወም ምዃኑ እቲ እወታዊ ክፍሉ ንኢዶም፣ እንተኾነ ግን እቲ ተራ ዜጋ ክርድኦ ብዝኽእል መልክዕ ክግለጽ ኣለዎ። እቲ ዝተሓንጸጸ ቅዋም ሃገር ናብ ሕዝቢ ቀሪቡ ምይይጥ ተገይርሉ ኣብ ሕዝባዊ ባይቶ ቀሪቡ ንኽጸድቕ ዝግበር ከይዲ ኣብ ዓርብዓ መዓልቲ ዝጠቓለል ክኸውን ኣለዎ ዝብል ናይ መንግሥቲ ናይ ጊዜ ገደብ ውሳኔ፣ ብሓቂ ሓጺርን ብቐሊሉ ንሕዝቢ ኣረዲእካን ክመያየጠሉን ሓሳቡ ክቕርብ ዝኽእለሉ ዕድል ዘጽብብ ናይ ጊዜ ገደብ ኢዩ እንክብሉ ብምሕባር፣ እቲ ዝረቐቐ ቅዋም ሃገር እቲ ግቡእ መሥርሕ እንተድኣ ዘየማልኤ ኣብ ሓጺር እዋን ኣብ ሕዝባዊ ባይቶ ቐሪቡ ንኽጸድቕ ዝግበር ዘሎ ኣሰራርሓ ናይቲ ኣብ መርሕነት ዘሎ ናይ ብዙኃን ናይ ፖለቲካ ሰልፊ ሓሳብ ጸብለል ክብል ዝድርኽ ኢዩ፣ ምእንቲ’ዚ እቲ ቅዋም ናይ ብዙኃን ናይ ፖለቲካ ሰልፊ ኣብ ዝለወጥሉ እዋን ከከም ድላይ ናይ ብዙሃን ናይ ፖለቲካ ሰልፊ ዝቀያየር ዘይኮነስ ንዅሉ ዝውክል ሃገራውን ሕዝባውን ዓንዲ ዘለዎ ኮይኑ ንኽመሓሽ ዝኽእል እዚ ማለት ድማ እቲ ቀንዲ ቅርጹ ነባሪ ክኸውን ተሓሲቡ ክሕንጸጽ ኣለዎ ከምዝበሉ እንክንገር፣ እቲ ርእሰ ብሔር ንምምራጽ ተሓቂኑ ናብ ሕዝባዊ መረጻ ዘሰጋግር እዋን ውሱን ኮይኑ ዘይተገለጸሉ ምዃኑ ጠቒሶም፣ ከምቲ ብዙሕ ጊዜ ዝርአ ናይ ሓባር ሃብቲ ንናይ ውልቃዊ ረብሓ ከይውዕል ብምትሕስሳብ፣ እግዚኣብሔር ሕዝቢ ዛምቢያን ሃገረ ዛምቢያን ክባርኽ ተማሕጺኖም፣ እቲ ጽምኣት ፍትሕን ሰላምን ዘለዎ ካብ ቃል ኢየሱስ ክርስቶስ ርውየት ክረብ ምዃኑ እምነትና ኢዩ እንክብሉ እታ መልእኽቲ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.