2010-07-24 14:13:52

ብፁዕ ካርዲናል ታውራን፦ ናይቲ ዝተገልጸ እግዚኣብሔር መሰኻኽር


ኣብ ታይላድን ጥቓ ርእሰ ከተማ ባንኮክ ደቡባዊ ከባቢ እትርከብ ከተማ ሳምራን ዘሎ ፉ ዋኣን ናይ ሥነ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ማእከል ንሓደ ሰሙን ካብ ዕለት 12 ሓምለ 2010 ዓ.ም. ጀሚሩ RealAudioMP3 ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዘዳለዎ ናይ ኵለን ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ከምእተኻየደ እንክዝከር፣ ኣብቲ ዝተኻየደ ናይ መላእ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዝተሳተፉ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዝሓሊ ጳጳስዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ዣን ልዊስ ታውራን ድሕሪ ምዝዛም እቲ ናይ ሓባር ዘተ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ማኅበረ ክርስትያን ናይቲ ዝተገልጸ እግዚኣብሔር መሰኻኽር ኢዩ ኣንክብሉ ከምዝገለጹ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

እቲ ኣብ ታይላንድ ዝተኻየደ ናይ መላእ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ፣ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተ ንኣገልግሎት ኅብረተ - ሰብን ምስሕሓባትን ግርጭታትን ዘይምስምማዕን ንምውጋድ ዝድግፍ ብቑዕ መጋበርያን ብዅሉ ጽፍሒ ዕርቂ ዘነቓቕሕ ክቡር ዋጋ ኢዩ ዝብል ሓሳብ ከምዘቓልሔን ብፁዕ ካርዲናል ታውራን ኣመልኪቶም፣ እቲ ናይ ሓባር ዘተ ሓሳብ ንሓሳብ ንምልውዋጥን ጽን ንምብህሃልን ንክንካፈልን ዓዲሙና ኢዩ። ኣብ ታይላድ ዘላ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ብዙሕ ዝተሳቐየት እኳ እንተኾነት፣ ነቲ ስቓይ ሰጊራ እተንጸባርቖ መንፈሳውነትን እተቕርቦ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ዝነኣድ ኢዩ፣ ምስ ካልኦት ሃይማኖታት ተራኺብካ እቲ ዘሎካ



ክቡራት ዋጋታት ከተንጸባርቕን ናይ ካልኦት ሃይማኖታት ክቡራት ዋጋታት ብተመሳሳሊ መልክዑ ከተስተውዕል ዘተባብዔ ናይ ሓባር ዘተ ኢዩ ኢሎም።

ካብ ሃይማኖት ሂንዱ መንፈሳዊ ኣስተንትኖን ተመስጦን ክንመሃር ንኽእል ካብ ናይ ቡድሃ ሃይማኖት ድማ ካብ ጽልዋ ግኡዝነት ሓራ ምዃንን ኣኽብሮት ሕይወትን ክንመሃር ንኽእል፣ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብታ ብመሠረት መልእኽቲ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ ምዕራፍ 8 ፍቕዲ 24 “ብተስፋ ኢና ዝደኃንና” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ 2007 ዓ.ም. ዝደረስዋ ዓዋዲት መልእኽቲ ከምዝሕብርዎ፣ ንሕና ክርስትያን እቲ እነምልኾ ኣምላኽ ዝተገልጸን ንፍጥረት ሰብ ቀረባ ዝኾነን ዝተሠግወን ንዝደልይዎ ቐረባ ዝኾነን ብዘይ ቅድመ ዅነት ገና ከየፍቀርናዮ ናይ ዘፍቀረና ኣምላኽ መሰኻኽር ኢና፣ ምእንቲ’ዚ ካባና ፍቕሪ እግዚኣብሔር ክመሃሩ ይኽእሉ ምስ በሉ፣ ኣብ ታይላድ እትርከብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ነዚ ፍቕሪ እዚኣብሔር ብዝተፈላለየ መልክዕ እናነበረት ኣብ ዝተፈላለየ መደብ ኣገልግሎት ትምስክሮ ከምዘላ ብቐረባ ክዕዘቡ ከምዝኽኣሉ ሓቢሮም። ብመደብ ናይ ግብረ ሰናይ ጥራሕ ዘይኮነስ እትፍጽሞ ኣገልግሎት ኅላዌ ኣግዚኣብሔር ዝምስክር ምዃኑ ተፈላጥነት እናረኸበ ይኸይድ ኣሎ እዚ ድማ ኣብቲ ዝተኻየደ መደብ ናይ ሓባር ዘተ ከምእተንጸባረቐ ገሊጾም።








All the contents on this site are copyrighted ©.