2010-07-24 14:12:37

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፣ ንእግዚኣብሔር ጽን ምባል


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ካብ ዝሓለፈ ዕለት 7 ሓምለ 2010 ዓ.ም. ንናይ ለብዘበን ሓጋዕ ዕረፍቲ ኣብ ከተማ ካስተልጋንዶልፎ ናብ ዝረከብ መንበር ር.ሊ.ጳ. ከምዝኸዱ RealAudioMP3 እንክፍለጥ፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፣ እዋን ዕረፍቲ ብዝያዳ ድምጺ ኣግዚኣብሔር ጽን እንብለሉ ምቹእ ጊዜ ኢዩ እንክብሉ ከምዝገለጹ ክንገር እንከሎ፣ ናይ ቅድስቲ መንበር ክፍሊ ዜናን ማኅተም ሓላፊ ናይ ራዲዮ ቫቲካን ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ናይ ሓጋይ ዕረፍቲ እንታይ ይመስል ኣብ ዝብል ሕቶ ተመርኲይዞም ኣብ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ፣ ኣብ ጽሞናን ጸሎትን ኣስተንትኖን ብፍላይ ድማ ናይታ ኣብ 2007 ዓ.ም. ተሓቲማ ንንባብ ዝበቐዔት ኢየሱስ ናዝራዊ ብዝብል ኣርእስቲ ዝደርስዋ ቀዳመይቲ መጽሓፎም መቐጸልታ ተኸታታሊት ካልአይቲ መጽሓፍ ኣብ ናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሕማማትን ትንሳኤን ዘማእከለት ድሮ ንቤት ማኅተም ናይ ዝቐረበት መቐጸልታ ተኸታታሊት ሳልሳይ ክፍሊ መጽሓፎም ኣብዚ እዋን ናይ ሓጋይ ዕረፍቶም ኣብ ምጥንቓቕ ከምዘለዉ ሓቢሮም።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 እታ ኢየሱስ ናዝራዊ ዘርእስታ መጽሓፎም ገና ንመንበረ ቅዱስ ጴጥሮስ ከይተሓረዩ ኣብ 2003 ዓ.ም. ከሰናድውዋ ከምዝጀመሩን ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ተከታሊ ኮይኖም ምስ ተሓረዩ፣ ኣብ እዋን ሓጋይ ዕረፍቶም ብዘይ ምቁራጽ ከምዝቐጸለዋን፣ እነሆ እታ ቀዳመይቲ ክፍሊ ናይታ መጽሓፍ ኣብ 2007 ዓ.ም. ተሓቲማ ንንባብ በቒዓ፣ እታ ካልኤይቲ ድማ ድሮ ንቤት ማኅተም ዝቐረበት ኣብ ዝመጽዕ እዋን ኣየት ተሓቲማ ንንባብ ክትበቅዕ ምዃኑ ሓቢሮም፣ እዛ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቦና ካብ ዕለት 5 ጥቅምቲ ክሳብ ዕለት 26 ጥቅምቲ 2008 ዓ.ም. ቃል ኣምላኽ ኣብ ሕይወትን ተልእኾን ቤተ ክርስትያን ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ኣብ ዝተኻየደ ናይ መላእ እንተ ላእለ ኵሉ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ መወከሲት ከይና ከምዘገልገለት እውን ዘኪሮም፣ ቅዱስ መጽሓፍ ብፍላይ ድማ ወንጌል ብዓይኒ ቲዮሎጊያን መንፈሳውነትን ከመይ ጌርካ ከተንብቦን ወንጌል ብዕምቆት ብምንባብ ምስቲ ናይ ታሪኽን ናይ እምነትን ኢየሱስ ክርስቶስ ከመይ ጌርካ ንምርኻብ ከም እትኽእል እትመርሕ ኣብነት ኢያ ምስ በሉ፣ ብሓቂ ኩላትና ነቲ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ቤተ ክርስትያንን ንፍጥረት ሰብ ናይ ዝፍጽሞ ኣገልግሎት ማእከል ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ክንረኽቦን ክንፈልጦን እተድግፍ ተኸታታሊት መጽሓፍ ኢያ። ናይ ቅዱስ ኣቦና ናይ ሓጋይ ዕረፍቲ ነዚ ዓይነት ኣገልግሎት ዝተወፈየ ኢዩ ኢሎም፣ ንቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ሰናይ ናይ ሓጋይ ዕረፍቲ እዋን ተመንዮም እቲ ርእሰ እንቀጽ ደምደሙ።







All the contents on this site are copyrighted ©.