2010-07-22 15:20:13

ፓኪስታን፣ ኣብ ልዕሊ ክርስትያን ናይ ሞት ሓደጋ


ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ኣብ ፓኪስታን ከተማ ፋይሳላባድ ዝተቐትሉ ክልተ ኣሓዋት ሰዓብቲ ሓይማኖት ክርስትና፣ ብጠንቂ ኣብቲ ከባቢ እናሰፍሔ ዝኸይድ ዘሎ ጽልእ ኣብ ልዕሊ ክርስትያን ናይ ሞት ሓደጋ RealAudioMP3 እናንጸላለወ ከምዘሎ ናይ ፖለቲካን ናይ ማኅበራዊ ጉዳያትን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ብምምልካት፣ ነቲ ጸረ ክርስትያን ዓመጽ ብምቅዋምን ነቶም ናይዚ ማኅበራዊ ጽልእ ግዳይ ዝኾኑ ንምዝካር ናይ ሓባር ናይ ሰሙን መዓልታት ሓዘን ክኽበር ከምእተሰማምዑ ተገሊጹ።

ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ብሓባር ምእንቲ ማኅበራዊ ሰላምን ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ንምንቕቃሕ ምቅርራብ ክህሉ ንምትብባዕ ናይ ሓባር መደብ ጸሎት ከካይዳ ክምዝኾና ኣብ ፋይሳላባድ ሰበኻ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ድርገት ሊቀ መንበር ኣባ ኣፍታብ ጀመስ ፖል ዝሓብዎ መግለጺ ዝጠቐሰ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ። ኣብ ፓኪስታን ክርስትያን ምእመናን ንሓደጋ ተቓሊዖም ከምዘለዉን ድማ ኣባ ኣፍታብ ገሊጾም፣ እዚ ዓይነት ማኅበራዊ ጸገም ንምውጋድ ኣብ መንጎ ኩለን ሃይማኖታት ብፍላይ ድማ ምስ ምስልምና ሃይማኖት ዝግበር ናይ ሓባር ዘተ ወሳኒ ኢዩ ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣመልኪቱ፣ ከምዚ ዓይነት ጸረ ክርስትያን ዝሓቀነ ናይ ሞት ሓደጋ ከይክሰት እቲ ናይ ሓበር ዘተ ኃይሉ ክቕጽል ከምዘለዎ ኩለን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝኣምናሉ ዕላማ ከምዝኾነ መግለጺ ኣባ ኣፍታብ ጠቒሱ የረጋግጽ።

ኣብ ፓኪስታን ናይ ክርስትና መጽናዕቲ ማእከል ኣመሓዳሪ ፍራንሲስ ሜህቦብ ሳዳ ኣብ ፓኪስታን ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዘሎ ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ንምዝራግ ዝዓዩን ኣብ ፓኪስታን ሃይማኖታዊ ግጭት ክህሉ ዝንቀሳቀሱ ኣኽረርቲ ሰዓብቲ ምስልምና ሃይማኖት ከምዘለዉን ቁጽሮም ውሑድ እውን እንተኾነ፣ ሸለል ዘይብሃል ናይ ሓባር መልሲ ዘድልዮን እዚ ጸረ ሰላምን ጸረ ስምምዕን ዝኾነ እከይ ተግባሮም ደው ነኸብሉ ናይ መንግሥትን ዝተፍላለያ ሃይማኖታት ምትሕብባር ወሳኒ ኢዩ ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፣ ናይ ፓኪስታን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ፍትሕን ሰላምን ድርገት፣ መንግሥትን ኃይሊ ጸጥታ ፓኪስታንን ብዛዕባ ምኽባር ናይ ሰባኣዊ መሰልን ፍቓድ ዘይንጹር ላንጋ ላንጋ እመለኻኽታ ከምዘለዎም ኣብ ዘመሓላለፎ መግለጺ ብምምልካት፣ ናይቶም ክልተ ኣሕዋት ክርስትያን መቕተልቲ፣ ልዕሊ 60 ዝግመቱ ኣኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክውዕሉ ከምዝገበረን፣ እዚ ግን ድሕሪ መቕተልቲ ዘይኮነስ ቅድም ቢልካ ክውሰድ ዝግብኦ ስጉምቲ ኢዩ ክኸውን ዝነበሮ ዝብል ሓሳብ ኣብቲ ዘውጽኦ መግለጺ ኣስፊሩሉ ከምዘሎ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ብምምልካት፣ ቀጺሉ ናይቲ ድርገት መግለጺ መሠረት ናይ ሃይማኖት ነጻነትን ናይ ውሁዳን ክፍሊ ኅብረትሰብ መሰልን ፍቓድን ውሑስ ክኸውን ከምዝሓተተ ገሊጹ።

ኣብ እስያ ጨንፈር ናይ ሁማን ራይትስ ዎች ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ተዓዛቢ ድርገት ከምዚ ዓይነት ማኅበራዊ ሽግር ብምክትታል መልሲ ክህበሉ ዝግባእ መንግሥቲ ኢዩ፣ ፖሊቲካዊ መልሲ ዘድልዮ ከምዝኾነን፣ ኣባላት ኃይሊ ጸጥታ ጸቕጢ ናይቶም ኣኽረርቲ ምስልምና ሃይማኖት ከምዘለዎ ዘረጋገጹ ውሳኔ ኃይሊ ጸጥታ ብተደጋጋሚ ከምዝተራእየን ኣመልኪቱ መንግሥቲ ፓኪስታን ናይቶም ውሁዳን ሃይማኖትን ዓሌትን መሰልን ፍቓድን ውሑስ ክገብር ኃላፍነቱ ኢዩ ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ። ኣብ ላሆር ናይ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሊቀ መንበር ክሃዋጃ ሙሃማድ ሻሪን ብዛዕባ እቶም ዝተቕትሉ ክልተ ክርስትያን ኣሕዋት ጉዳይ ንምጽራይ ንናይ ፋይሳላባድ ኃይሊ ፀጥታ ኣዛዚ ንኣኼባ ከምዝጸውዕዎም እቲ ናይ ዜና ኣገልግሎት የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.