2010-07-22 15:13:35

ካቶሊካውያን ኣብ ፖሊቲካ


ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ስነ ፍልጠት ናይቲ በቢ ዓመቱ ዝካየድ ናይ ኢጣሊያ ናይ ካቶሊክ ማኅበራዊ ሰሙን ኣሰናዳኢት ኮሚቴ ኣቦ ወንበር ናይ ኢቨሪያ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ RealAudioMP3 ኣቡነ አሪጎ ሚሊዮ፣ ትማሊ ኣብ ሮማ ኣብ ሕንጻ ጁስቲኒያኒ ኣብ ዝርከብ ኣዳራሽ ብዛዕባ እቲ ካብ ዕለት 14 ጥቅምቲ ክሳብ ዕለት 17 ጥቅምቲ 2010 ዓ.ም. ዝካየድ ናይ ኢጣሊያ ናይ ካቶሊካውያን ማኅበራዊ ሰሙን መሰናደዊ ሰነድ ንምድላው ሓቂኑ ዝተኻየደ ኣኼባ ኣመልኪቶም ጋዜጣዊ መግለጺ ከምዝሃቡ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።

እቲ ናይ መሰናደዊ ሰነድ ንምቕራብ ዝተኻየደ ኣኼባ ዘዳለዉዎ፣ ናይ ኢጣልያ ሓጋጊ ላዕለዋይ ባይቶ ሊቀ መንበር ስኪፋኒ ክኾኑ እንከለዉ፣ ኣብቲ ኣኼባ ኣብ ኢጣሊያ ናይቲ ዝመርሕ ዘሎ ናይ ነጻነት ሕዝቢ ብዝብል ስም ዝጽዋዕ ናይ የማን ፖለቲካ ሥነ ሓሳብ ዝድግፍ ሰልፊ ዝቃወም ናይ ጸጋማይ ፖለቲካዊ ሥነ ሓሳብ ዝኽተል ዴሞክራሲያዊ ናይ ፖለቲካ ሰልፊ ሊቀ መንበር በርሳኒን፣ ናይ ክርስትያን ዴሞክራሲያዊ ሕብረት ፖለቲካዊ ሰልፊ ሊቀ መንበር ካሲኒ፣ ኪዳን ንኢጣሊያ ብዝብል ስም ዝፍለጥ ናይ ፖለቲካ ሰልፊ ሊቀ መንበር ሩተሊ፣ ናይቲ ኣብ መርሕነት ዘሎ ናይ ፖለቲካ ሰልፍን ናይ ላዕለዋይ ባይቶ ኣባል ኳዋሊያረሎን ካልኦት ናይ ሕዝባውን ናይ ላዕለዋይ ባይቶ ኣባላት ከምእተሳተፉ ተሓቢሩ።

ብዛዕባ እቲ ንናይ ካቶሊካውያን ኢጣልያ ማኅበራዊ ሰሙን ጉባኤ ኣሰናዳኢት ኮሚቴ ዋና ጸሓፊ ኤድዋርዶ ፓትሪያርካ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ እቲ ኣብ ረጆ ካላብሪያ ብወግዒ ዝቐርብ ንናይ ኢጣሊያ ካቶሊካውያን ናይ ማኅበራዊ ሰሙን ጉባኤ መካየዲ ሰነድ፣ ንናይ ቤተ ክርስትያን ናይ ማኅበራው ጉዳይ ትምህርቲ እሙን ኢዩ። እዚ ድማ ንናይ ፖለቲካ መድረኽ ሓደ ሓድሽ ምልክታ ከምዝኾነ ምስ ሓበሩ፣ እዚ ዝተኻየደ ጉባኤ ዘጠናቐሮ ናይ ጉባኤ መካየዲ ሰነድ፣ ከምቲ ናይ ኢጣሊያ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ባኛስኮ ዝበልዎ፣ ናይ ኢጣሊያ ልምዓት ምንቕቓሕ የድሊ፣ ምእንቲ’ዚ እዚ ሰነድ ንናይ ኢጣልያ ልምዓት ብሓድሽ መንፈስ ንምንቕቓሕን፣ እቲ ምዕባለ ንምርግጋጽ ዝድግፉ ኢዮም ዝብሎም ነጥብታት፣ ብዛዕባ ሕይወት፣ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ግቡእን ሥድራ ቤትን፣ ብዛዕባ መደብ ትምህርት ዝምልከት ድማ ናይ ምምራጽ ነጻነትን፣ ጉዳይ ኣባይቲ ትምህርትን ኅብረኣዊ መደብ ትምህርትን ዝብሉ ምዃኖም ኣመልኪቶም።

ኣብዚ እዋን’ዚ መንእሰይ ኢጣሊያ ኣብ ፖለቲካ ተገዳስነት ዘይብሉ ኮይኑ ከምዘሎን፣ እዚ ድማ ኣብ ፖሊቲካ ዝነበሮ እምነት ብምድንጋሩ ዘስዓቦ ጉዳይ ከምዝኾነ ሓቢሮም፣ ተስፋ ዘይቆረጹን ኣብ ናይ ማኅበራዊ ናይ ኣገልግሎት ጉዳይ ዝዋስኡን ኣብ ዝተፈላለዩ ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ከተማታት ኣብ ዝተፈላለየ ኃላፍነት ተመሪጾም ዘገልግሉ ኣለዉ፣ እንተኾነ ግን ፖለቲካ ሰብ ዘማእከለ ኮይኑ ኩሉ ኣብ ፖለቲካ ክግደስ ዘተባብዕ እምበር ዘደናግር ኽከውን የብሉን ኢሎም።

ኣብ መወዳእታ ይብሉ፣ ካቶሊካውያን ኣብ ፖለቲካ መዳይ ዘለዎም ተሳትፎ ኣብ ሓደ ናይ ፖለቲክ ሰልፊ ወይ ድማ ምስ ሓደ ናይ ፖለቲካ ሰልፊ ዝተጠርነፉ ዘይኮኑን፣ ኣብ ናይ የማን ይዅን ኣብ ናይ ጸጋም ርእዮተ ዓለም ዘንጸባርቑ ናይ ፖለቲካ ሰልፍታት ፋሕ ዝበሉ ብምዃኖም እዚ ድም ብዛዕባ ኢጣሊያ ኣብ ዝምልከቱ ዓበይቲ ነጥብታት ኣብ ሓደ ስምምዕ ንኽይብጻሕ ዕንቅፋት ይኸውን ኣሎ፣ እንተኾነ ግን ናይ ቤተ ክርስትያን ናይ ማኅበራዊ ጉዳይ ትምህርቲ ዝኽተሉን ኣብ ቤተ ክርስትያን ንቑሕ ተሳትፎ ዘለዎም ናይ ፖለቲካ ኣካላት ፍልልይ ናይ ዝተጠርነፍሉ ናይ ፖለቲካ ሰልፊ ሥነ ሓሳብ ብዘየገድስ ሓደ መሪሕ ዝኾነ ናይ ሓባር ሓሳብ ክህልዎም ይግባእ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.