2010-07-22 15:21:37

ኡጋንዳ፣ ጉባኤ መንእሰያት ኣፍሪቃ


ናይ ሃገራት ኣፍሪቃ መራሕቲ ኣብ ካምፓላ ነዘካይዶ መበል 15 ዋዕላ መሠረት ኣብ ኡጋንዳ ከተማ ኤንተበ ክካይድ ዝቐነየ ናይ ኣፍሪቃ መንሰያት ቀዳማይ ጉባኤ ከምእተዛዘመ እንክሕበር፣ RealAudioMP3 እቲ ናይ ኣፍሪቃ መንሰያት ጉባኤ ነቲ ሎሚ ዝተጀመረ ናይ ሃገራት ኣፍሪቃ መበል 15 ዋዕላ ናይ ሃባር ሰነድ ከምዘቕረበ ሚስና ናይ ዜና ኣገልግሎት ገሊጹ።

ኣቲ ናይ መንእሰያት ኣፍሪቃ ጉባኤ ዘጽደቖ ሰነድ፣ እቲ ጉባኤ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ከጽድቖን ዝሓትትን፣ ብብሔራውን ብኣፍሪቃ ደረጃ ኣብ ፖለቲካን ማኅበራዊ ናብራን ተሳትፎ መንሰያት ኣፍሪቃ ብጭቡጥ መገዲ ክድገፍን፣ ኣብ ናይ ከባብን ብደረጃ ኣፍሪቃን ንናይ መንሰያት ተሳፍቶ ግቡእ መድረኽ ክወሃቦ ዝሓትት ሓሳብ ተነቢሩሉ ከምዘሎ ሚስና ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣመልኪቱ። መንሰያት ኣፍሪቃ ኣብቲ ኣብ ኢንተበ ኣብ ዘካየዶ ዋዕላ እቲ ኣብ ዓለም ዝርኤ ድኽነት ንምጉዳልን ልምዓት ንምንቕቓሕን ሚለኒዮም ብዝብል ስም ዝተሓንጸጸ መደብን ካልኦት ኣገደስቲ ናይ ፖላቲካን ማኅበራዊ ምትሕብባራት ዝምልከቱ ጉዳያት ኣማእኪሉ ሓሳብ ንሓሳብ ከምእተለዋወጠ ሚስና ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣመልኪቱ።








All the contents on this site are copyrighted ©.