2010-07-20 15:28:08

ፈረንሳይ፣ ዓለም ሓቆፍ መበል 40 ናይ ሓባር ጉባኤ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት


ካብ 10 ዝተፈላለያ ሃገራት ኤርዎጳ ዝተዋጽኡ ካብ ፈረንሳ፣ ዓባይ ብሪጣንያን፣ ጀርመንን፣ በልጂም ስፐይን ፖላንድ፣ ሬፓብሊካዊት ቸክን ስሎቫኪያን ሃንጋርን ሮማኒያን ካልኦት ሃገራት ዝተዋጽኡ ብዛዕባ RealAudioMP3 ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተ ናይ ዝሓልዩ ድርገታት ዝውክሉ ኣካላት ዝርከብዎም ብጠቕላላ 450 ተጋብእያን ዘራኽብ ንሸሞንተ መዓልቲ ንዝካየድ ዓለም ሓቆፍ መበል 40 ናይ ሓባር ጉባኤ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ንምርግጋጽ፣ ክካይዱ ዝቐነየ ምቅርራባት ድሕሪ ምጥንቓቕ ቅድሚ ትማሊ ብወግዒ ከምእተጀመረ ተሓቢሩ።

እዚ ብ 1967 ዓ.ም. ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን መራሕትን ዓለማውያን ምእመናን ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝግበር ናይ ሓባር ዘተ ርእሰ ጉዳይ ገይሩ ንፈለማ ግዜ ዝተበገሰ እነሆ ሥሩዕ ኮይኑ ንመበል 40 ዓመት ናይ ሓባር ጉባኤ ከምዝበቕዔ ክንገር እንከሎ፣ እቲ ክሳብ ዕለት 26 ሓምለ 2010 ዓ.ም. ኣብ ፈረንሳ ከተማ ሊዮን ዝካየድ ጉባኤ፣ ኅያባት ብምልውዋጥ፣ ናበይ ዓይነት ሓድነት? ብዝብል ሕቶኣዊ ርእሰ ጉዳይ ዝተመራሔ ከምዝኸውን ተገሊጹ።

ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስትያን መማልእቲ ከምዝኾናን፣ ናይ ክርስቶስ ሚሥጢር ብምልኣት ንምምስካርን ንምሥራዕን ኩለን ድማ ዘድልያን፣ ሕድ ሕዳዊ ምድላይ ከምዘለወን ብስፍሓት ዘረድእ ጉባኤ ከምዝኾነ ናይቲ ጉባኤ ኣሰናዳኢ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ሓልዮት ናይ ሓባር ጉባኤ፣ ዓለም ሓቆፍ ማኅበር ሰዓብቲ ዝዘርግሖ መግለጺ ይሕብር።








All the contents on this site are copyrighted ©.