2010-07-20 15:25:35

ብዛዕባ ሕማም ኤይድስ ዝዝቲ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ


ኣብ ከተማ ቪየና ክሳብ ዕለት 23 ሓምለ 2010 ዓ.ም. ዝቕጽል ብዛዕባ እቲ ቀዛፊ ሕማም ኤይድስ ዝዝቲ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ቅድሚ ትማሊ ከምእተጀመረ እንክንገር፣ እዚ ናይ ቪየና ጉባኤ እቲ RealAudioMP3 ናይ ጸረ ኤይድስ ሕክምና ኵላዊ ክኸውን መታን ነተን ናይ መድኃኒት ኅብረ ኢንዳስትሪታት ከተሓሳስብን፣ ዝኾነ ይዅን ብኤይድስ ህዋስ ዝተለኽፈ ሰብን ናይቲ ተህዋስ ተሰካሚ ዘበለ ኵሉ ክንክን ጥዕና ጸረ ኤይድስ ክረክብ መታን ብፍላይ ድማ ኣብተን ኣብ ጎደና ምዕባለ ዝርከባ ሃገራት ክፍሊ ደቡብ ዓለም፣ እቲ ናይ ጸረ ኤይድስ ሕክምና ውሑስ ክኸውን ጻውዒት ዘቕርብ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ምዃኑ ተሓቢሩ።

እቲ ጉባኤ ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ ቦታ ብዙሓት ነቲ ኣብ 2005 ዓ.ም. እተን ብኢንዳስትሪ ዝማዕበላ ሸሞንተ ሃገራት ዝሓቍፍ ማኅበር ኣብ ስኮዚያ ከተማ ግለነኣግለስ ኣካይድዎ ኣብ ዝነበረ ጉባኤ ንመደብ ጸረ ኤይድስ ትግባሬ ዝኣተዎ ቓል ኣብ ቀረባ እዋን ንምኽባሩ ከጸግሞ ከምዝኾነ ዝሃቦ መግለጺ መሠረት፣ ዝተኣተወ ቓል ዘይምኽባር ፍርዲ ሞት ኢዩ ብዝብል ጭርሖ ዝተመርሔ ሰላማዊ ሰልፊ ከምእተኻየደ ተገሊጹ።

ዓለም ሓቆፍ ማኅበር ሓለዋ ጥዕና ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ 2008 ዓ.ም. ብኤይድስ ህዋስ ዝተለኽፉ 33 ሚሊዮን ከምዝነበሩን፣ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኤውሮጳን እስያን ብዝሒ ናይቶም ብኤይድስ ዝተለኽፉ ዜጋታት ኣብቲ ዘለዎ ዝጸንዔ እኳ እንተመሰለ ኣቶም በዚ ሕማም ዝተለኽፉ ዜጋታት ኣብ ዝተነጸለ ሕይወት ክነርቡ ዘገድዶም ኵነት ከምዝርኤን፣ ምስፋሕ ግብረ ዝምውናን ምጥቃም ዘደንዝዙ ዕጸዋትን ንምስፋሕ ሕማም ኤይድስ ዓቢ ግደ ከምዘለዎ እቲ ዓለም ሓቆፍ ማኅበር ክንክን ጥዕና ዘወጽኦ መግለጺ ይሕብር።

እዚ ከምንዚ ኢሉ እንከሎ፣ ናይ ስነ ሕክምና ሊቃውንቲ ጸረ ህዋስ ኤይድስ ዝሓቀነ ዘካይድዎ ናይ ምርምር መጽናዕቲ ሰነድ ከምዘቕረቡ እንክንር፣ እዚ ናይ ጸረ ኤይድስ ሕክምና ኣብ ካናዳ ብሪቲሽ ኮሉምቢያ ከባቢ ኣብ ግባሪ ካብ ዝውዕል ምስፋሕ ህዋስ ኤይድስ ሰለስተ ብሚእቲ ክንኪ ከምዝገበረ ተገሊጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.