2010-07-20 15:23:18

ሃይማኖት ጸረ ገበን ኢዩ


ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኢጣሊያ ኃይሊ ምክልኻልን ኃይሊ ጸጥታን ብሓባር ብዘካይድዎ ሕቡእ ምክትታል 300 ናይ ኢጣሊያ ናይ ገበን ጉጅለ ኣባላት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘእተዉ እንክንገር፣ እዞም ናይ ጉጅለ RealAudioMP3 ኣባላት ኣብ ሳን ሉካ ከተማ ኣብ ዝርከብ ማርያም ዘ ፖልሲ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ቅዱስ ሥፍራ ኣኼባ እናካይዱ እንከለዉ ዘርኢ ብሓይሊ ጸጥታ ተጠሊፉ ዝተቐርጸ ስእላዊ መግለጺ ኣመልኪቶም ናይ ሎክሪን ገራቸን ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ጁዜፐ ፊዮሪኒ ሞሮሲ ንምእመናን ኣብ ዘተሓላለፍዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ፣ እቲ ናይ ገበን ጉጅለ ኣብቲ ቅዱስ ሥፍራ ዘካየዶ ኣኼባ ንገዛእ ርእሱ ገበን ከምዝኾነ ጠቒሶም ሃይማኖትን ግብረ ገበንን ዘይራኸቡን ዝነጻጸጉን ምዃኖም ኣረዲኦም፣ ኵሉ ናብ እምነቱ ክምለስ ኣተሓሳሲቦም።

ብፁዕ ኣቡነ ፊዮሪኒ ሞሮሲ ብዛዕባ እታ ዘተሓላለፍዋ ሓዋርያዊት መልእኽቲ ኣመልኪቶም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ብዙሕ ግዜ ቤተ ክርስትያን ንቶም ናይ ገበን ጉጅለ ዕሽሽ ትብሎም ኢያ ዝብል ገለ ገለ ኣካላት ዘስፍሕዎ ባህሊ ሓፈሻዊ ርእይቶ ካብ ሓቂ ዝረሓቀ መሠረት ኣልቦ ከምዝኾነን፣ ሃይማኖትን ዘይሕጋዊ ተግባርን ምንም ዓይነት ርክብ ከምዘይብሎም ንምርዳእን፣ ብኻልእ መዳይ ድማ ናይ ገበን ጉጅለታት ዝፍጽምዎ ሓይማኖታዊ መልክዕ ዘለዎ ቃለ ማሓላ ቤተ ክርስትያን እተውግዞን ሃይማኖት ጸረ ዘይሕጋውነት ምዃኑን ነቲ ዘይሕጋዊ ተግባራት ንምስኻዕ ዝግበር ጸሎት ንገዛእ ርእሱ ጸረ እግዚኣብሔር ምዃኑ ቤተ ክርስትያን ወትሩ እተመሓላልፎ ኣስተምህሮ ንምምስካር ኢዩ ኢሎም።

ኣብ ቅዱሳት ሥፍራን ኣቢያተ ክርስትያንን ንዘይሕጋዊ ተግባር ቦታ ከምዘይለን እቶም ናይ ገበን ጉጅለ ናብ ልቦም ተመሊሶም ኣብ እሩም ሕይወት ክርከቡን እቲ ንሳቶም ዘንብብዎ ወንጌል ፈጺሙ እቲ ናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ወንጌል ክኸውን ከምዘይክእል ንምርዳእ ዝሃቀነ መልእኽቲ ኢዩ ኢሎም። ስለዚህ ኵሉ እቲ ኣብ ጉጉይ መገዲ ዘሎን ኣብ ግብረ ጸረ ሕጋውነት ዝመላለስ ብተግባራቱ ተነሲሑ ናብ እግዚኣብሔር ክምለስን ክልወጥን ዝጽውዕ መልእኽቲ እውን ኢዩ፣ ቤተ ክርስትያን ነቶም ገበነይናታትን እውን እንተኾነ ኣሕዋተይ ተነስሑ ተመለሱ ኢያ ትብል ምስ በሉ፣ ኣማኒ ኣኽባሪ ክቡር ዋጋ ሕይወት ኢዩ ቢሎም እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.