2010-07-17 14:22:48

ፈረንሳይ፣ ዓለም ሓቆፍ መበል 40 ናይ ሓባር ጉባኤ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት


ካብ 10 ዝተፈላለያ ሃገራት ኤርዎጳ ዝተዋጽኡ 450 ተጋብእያን ዘራኽብ ንሸሞንተ መዓልቲ ንዝካየድ ዓለም ሓቆፍ መበል 40 ናይ ሓባር ጉባኤ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ንምርግጋጽ ክካይድ ዝቐነየ RealAudioMP3 ምቅርራባት ከምእተጠናቀ ተሓቢሩ።

እዚ ብ 1967 ዓ.ም. ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን መራሕትን ዓለማውያን ምእመናን ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝገበር ናይ ሓባር ዘተ ርእሰ ጉዳይ ገይሩ ንፈለማ ግዜ ዝተበገሰ እነሆ ሥሩዕ ኮይኑ ንመበል 40 ናይ ሓባር ጉባኤ ከምዝበቕዔ ክንገር እንከሎ፣ እቲ ካብ ዕለት 19 ሓምለ ክሳብ ዕለት 26 ሓምለ 2010 ዓ.ም. ኣብ ፈረንሳ ከተማ ሊዮን ዝካየድ ጉባኤ፣ ኅያባት ብምልውዋጥ፣ ናበይ ዓይነት ሓድነት? ብዝብል ሕቶኣዊ ርእሰ ጉዳይ ዝተመራሔ ከምዝኸውን ተገሊጹ።

ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስትያን መማልእቲ ከምዝኾናን፣ ናይ ክርስቶስ ሚሥጢር ብምልኣት ንምምስካርን ንምሥራዕን ኩለን ድማ ዘድልያን፣ ሕድ ሕዳዊ ምድላይ ከምዘለወን ብሥፍሓት ዘረድእ ጉባኤ ከምዝኸውን ብዛዕባ እቲ ድሕሪ ጽባዕ ዝጅመር ጉባኤ ብምዝልከት ናይቲ ጉባኤ ኣሰናዳኢ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ጉባኤ ዓለም ሓቆፍ ማኅበር ሰዓብቲ ዝዘርግሖ መግለጺ ይሕብር።








All the contents on this site are copyrighted ©.