2010-07-17 14:27:10

ኣፍሪቃ-ኢጣሊያ፦ ኣፍሪቃውያን ስደተይናታት


ብካሪታስ ዝጽዋዕ ናይ እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን ናይ ተራድኦ ማኅበር ናይ ስደተይና ጉዳይ ዝከታተል ቤት ጽሕፈቱ፣ ኣብ ኢጣሊያ ዝነብሩ ኣፍሪቃውያን ስደተይናታት ሰብኣዊን ማኅበራውን ፖለቲካውን RealAudioMP3 ጉዳይ መሠረት ናይ መጽናዕቲ ሰነድ ከምዘውጽኤ ተገሊጹ።

ኣብ ኢጣልያ፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ሎምባርዲያ ኤሚሊያ ሮማኛ ቨነቶን ፒየሞንተን ዝቕመጡ ብጠቕላላ ሓደ ሚሊዮን ኣፍሪቃውን ከምዘለዉ ክፍለጥ እንከሎ፣ ካብቶም 10 ስደተይናታት እቶም ሽውዓተ ካብ ቱኒዝያ ግብጽን ሰነጋልን ናይጀሪያን ጋናን ዝመጹ ምዃኖም እቲ ልዕሊ ስልሳ ዝተፈላለዩ ምስ ናይ ስደተይናታት ጉዳይ ዝተተሓሓዘ ተልእኾ ዝዓዩ ናይ ስነ ማኅበራውን ስነ ሰብኣውን ስነ ኅብረትሰብን ሊቃውንቲ ጽሑፋቶም ዘቕረቡሉን ቅድሚ ትማሊ ኣብ ሮማ ንንባብ ዝበቕዔን ኣብ ቫቲካን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተኻየደ ናይ ኣፍሪቃ ብጹዓን ጳጳሳት ካልኣይ ሲኖዶስ ብዛዕባ ስደተይናታትን ዘቕረቦ ኣስተንትኖ መሠረት ዝገበረ ናይ መጽናዕቲ ሰንድ ብምሕባር፣ እቲ ናይ ኣፍሪቃውያን ጸኣት፣ ንምዝመዛ ዝድርኽ ዘይኮነስ ንናይ ሰብኣውነት ክቡር ዋጋ ዘነቓቕሕ ክስተት ክኸውን ከምዘለዎ እቲ ሰነድ የመልክት።

ኣብ 2008 ዓ.ም. ኣብ ኢጣሊያ ካብ እተወልዱ 25 ሺሕ ሕጻናት እቲ ሓደ ሲሶ ካብ ስደተይናታት ሥድራ ዝተወልዱ ኣፍሪቃውያን ሕፃና እንክኾኑ ኣብ 2008 ዓ.ም. ልዕሊ 6 ሺሕ ሓንፈጽ መርዓ ከምእተፈጸመ ካብቲ ሰነድ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።







All the contents on this site are copyrighted ©.