2010-07-17 15:40:49

ሕገ ቆኖና ቤተክርስትያን ጸረ ዓበይቲ ገበናት፡

 


 ብቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል ዓሰርተ ሽዱሽተ ጽቡቅ ፍቃድ ዝወጸንወግዓዊ ዝኾነ ቆኖናዊ ሕጊ ጸረ ዓበይቲ ገበናት ብናይ ኩለን ካቶሊካውያን ጳጳሳዊ ቤት ምኽርታት ተቀባልነት ከም ዝረኸበን አድላዪ ከም ዝኾነ መግለጽታት ከም ዝወጸ ቫቲካን ዘውጽኦ መግለጺ አመልኪቱ።

ናይ ቅድስቲ መንበር አቀባሊ ቃል አባ ፍደሪኮ ሎምባርዲ ቅድሚ ትማሊ አብ ናይ ቅድስቲ መንበር ክፍሊ ማሕተም ጸረ ምስጢረ ቅዱስ ቁርባንን ምስጢረ ንስሐን ብአባላት ቤተ ክህነት ዝፍጸሙ ዓመጸ ፍትወተ ስጋን ዘተኮረ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ዝጸደቀ ሐዲሽ ሕገ ቆኖና ንመራኸቢ ብዙኀን ወግዓዊ መግለጺ ከም ዝሐቡ ዝዝከር ኢዩ።

እዚ ተመሐይሹ ዝወጸ ሕገ ቆኖና ቅድስቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን አብ ትሕቲ ሐላፍነት ማኅበር መሠረተ ሃይማኖት ከም ዝኾነን ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እንተመኻረ ብአባላት ቤተክርስትያን ንዝፍጸሙ ዓበይቲ ገበናት አጻርዩ ክብይን ከም ዝክእልን ተፈሊጢ አሎ ።

አብ ሕቡራት መንግስታት አመሪካ ናይ ስፖክን ጳጳጳስን ንሐለዋ ሕጻናት ዝቆ ጳጳሳዊ ኮሚስዮን ሊቀ መንበር ብፁዕ አቡነ ብለይዝ ካፒች ከም ዘመልክትዎ እዚ ሕገ ቆኖና’ዚ ነቲ አብ ልዕሊ ሕጻናት ዝፈጸም ዘፈንፍን ዓመጽ ፍትወተ ስጋ ንምግእታእ አዎንታዊ አስተውጽኦ ክህልዎ ኢዩ።

ናይ ጀርመን ረኪበ ጳጳሳት ዋና ጽሐፊ ብፁዕ አቡነ ሮበርት ጾሊሽ ፡ እዚ ንጹር ሕገ ቆኖና’ዚ ነዚ ገበን’ዚ ዝፍጽም ውልቀ ሰብ ብዘይ ምሕረት አቃሊዑ ዝገልጽን ስጉምቲ ዝወስድን ስለ ዝኾነ አዝዩ ዝንአድን አላዪ ሽግር ከም ዝኾነ መግለጺ ሂቦም አለዉ ።

ከምኡ ክአ አብ ስዊትጸርላንድ ናይታ ሀገር ረኪበ ጳጳሳት ሊቀ መንበር ብፁዕ አቡነ ፈሊክስ ግሙር አብ ሕቡራት መንግስታት አመሪካ ናይ ዋሺንግቶን ሊቀ ጳጳሳስ ብፁዕ አቡነ ዶናልድ ቩርል ነቲ ተመሐይሹ ወጎኣዊ ዝኮነ ሕገ ቆኖና ከም ዘመጎሱ ተፈሊጡ አሎ ።








All the contents on this site are copyrighted ©.