2010-07-15 14:34:18

ኣብቲ ቅልውላው ዝበራረየሉ ኅብረተሰብ እሙን ምስክር ምዃን


ናይ ኢጣሊያ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ናይ ጀኖቫ ሊቀ ጳጳሳት ብፅዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ባኛስኮ ትማሊ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ተባሂሉ ምስ ዝጽዋዕ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ RealAudioMP3 ዝተፈላለዩ እዋናውነት ዘለዎም ኣገደስትን ሕጹጻትን ዝበሃሉ ርእሰ ጉድያት ኣማእኪሎም ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ቤተ ክርስትያን ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዝበልዎ ውሳጣዊ ኅዳሴ ከምዘድልያን ብፍላይ ድማ ኣብዚ እዋን’ዚ ጸረ ቤተ ክርስትያን ዝንዛሕ መርዛምን ሓደገይናን መጥቃዕቲ ቤተ ክርስትያን ናብ ወንጌልን ናብቲ ናይ ወንጌል ትሕትና ክትመለስ ዝጽውዓ ኣጋጣሚ ኢዩ።

ሎሚ ተጋግየ ዝብል ናይ ትሕትና ባህሊ ኣብ ዝቕሕመሉን ኣይተጋገኹን ዝብል ድርቅና ኣብ ዝሰፍሕሉ ዘሎ ዓለም፣ ቅዱስ ኣቦና ናይ ጭቡጥ ኩነታት ኅብረተሰብን ቤተ ክርስትያንን ብምርዳእ ብዘይ ምድንጓይን ሰጋእ መጋእን፣ ናይ ካልእ ሓጢኣት ጥራሕ ካብ ምርኣይ ፈተና ተላቒቕና ሓቂ ኣብ ምኹላዕ ክንተግህ ዝሃብዎ መሪሕ ቃል፣ ብፁዕ ካርዲናል ባኛስኮ ጠቒሶም፣ ቀጺሎም ኣብ ኤውሮጳ ባህልን ልምድን ሃይማኖትን ዘዘንግዕ ሕሉፍ ዓለማውነት ይሰፍሕ ከምዘሎ ሓቢሮም፣ ባህልኻን ልምድኻን ሃይማኖትካን ምዕባጥን ምሕካኽን ብዘይ መለለይ ምትራፍ ማለት ከምዝኾነ ኣረዲኦም፣ መለለይኻ ዘይምፍላጥ ምስ ካልእ ንኽትላለ ጸገም ይፈጥረልካ ቢሎም፣ ቀጺሎም ብዛዕባ ናይ ሃይማኖት ነጻነት እንክዛረቡ፣ ድሕሪ ናይ ሓይማኖት ነጻነት እምነት ጥራሕ ዘይኮነስ ሥርዓት ዴሞክራሲ ዘረጋገጽ ሰብኣዊ ነጻነትን ኣሎ፣ ብዘይ ናይ ሰብኣዊ ነጻነት ሃይማኖት ይዅን ሥርዓት ዴሞክራሲ ክህሉ ኣይክእልን ኢዩ። ናይ ሃይማኖ ነጻነት ልዑል መግለጺኡ ናይ ሰብኣዊ ነጻነት ኢዩ። እዚ ድማ ብቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ንናይ 2011 ዓ.ም. ናይ ሃይማኖት ነጻነት መሠረት ናይ ካልእ ኵሉ ዓይነት ነጻነት ኢዩ ብዝብል ኣርእስቲ ዝዳለው ዘሎ ኣብ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሰላም ዝመሓላለፍ መልእኽቲ ሰላም ብዕምቆት የረድእ ቢሎም፣ ናይ ሃይማኖት ነጻነት እንተድኣ ተጋሂሱ ካልእ ኩሉ ነጻነት ከምዝገሃስ ዘየጥራጥር ሓቂ ኢዩ ከምዝበሉ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ኣመልኪቱ።







All the contents on this site are copyrighted ©.