2010-07-15 14:33:02

ናይ ጃካርታ ሊቀ ጳጳስ፣ ናይ ሃይማኖት ነጻነት መሠረት ዘተ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ንዝመጽእ ዘሎ ዓመት ዘመሓላልፍዎ ናይ ሰላም መልእኽቲ ቅዉም ሓሳቡ እንታይ ምዃኑ ቅድሚ ትማሊ ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜናን ማኅተም ቤት ጽሕፈት RealAudioMP3 ዝተዋህበ መግልጺ ከምዝሕብሮ፣ ናይ ሃይማኖት ነጻነት መሠረት ናይ ካልእ ኵሉ ዓይነት ነጻነት ኢዩ ዝብል፣ እምነትካ ምንባርን ምግላጽን ፈጺሙ ክገሃስ ዘይብሉ ናይ ወዲ ሰብ መሰልን፣ ምኽባር እምነት ናይ ምግላጽ ነጻነት፣ መገዲ ሰላም ምዃኑን ናይ ሃይማኖት ነጻነት ናይ ነጻነታት ናጽነት፣ ንኻልእ ዓይነት ነጻነት ናጻ ዝውጽእ መሠረታዊ ነጻነት ኢዩ ዝብልን ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፣ ነዚ መሠረት ብምግባር ናይ ጃካርታ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኢግናቲዩስ ሱሃርዮ፣ ናይ ሃይማኖት ነጻነት ናይ ሰብኣዊ መሰልን ግቡእን መሠረት ኢዩ ቢሎም፣ ቅዱስ ኣቦና ነዚ ኣማእኪሎም ናይ ሰላም መልእኽቲ ከመሓላልፉ ምዃኖም ብሓቂ ዘሐጉስ ኢዩ ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ቅዱስ ኣቦና ናይቲ ኣብ 2011 ዓ.ም. ንዝተሓላልፍዎ ናይ ሰላም መልእኽቲ ናይ ሓይማኖት ነጻነት ንሰላም መገዲ ኢዩ ብዝብል ኣርእስቲ ዝምራሕ ምዃኑ ጳጳሳዊ ናይ ሰላምን ፍትሕን ቤት ምኽሪ ዝሃቦ ሓበሬታ ብፁዕ ኣቡነ ሱሃርዮ ጠቒሶም፣ ኣብ ኢንዶነዥያ ይብሉ፣ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ንዝብገር ዘተ መሠረትን ብፍላይ ድማ ኣብ እነካይዶ ዝተፈላለያ ሃይማኖት ኣብ ናይ ሓባር ዘተ፣ ከነስተንተነሉን ክንዝተየሉን ሓሳብ ንሓሳብ ክንለዋወጠሉን ከነዕሙቖን ተዳሊና ኣሎና ቢሎም፣ ብሓቂ ናይ ሃይማኖት ነጻነት ናይ ኵሉ ነጻነትን ነቲ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ንዝገበር ዘተ እውን መሠረት ኢዩ ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.