2010-07-14 12:27:57

ኡነተይና አምልኾተ እግዚአብሔር፡


ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲቶስ መበል ዓሰርተ ሽዱሽተ አምልኾተ እግዚአብሔር ዘተኮረ ትምህርቲ ሐዘል ሰፊሕ መግለጺ ሂቦም አለዉ ። ኡነተይና አምልኾተ እግዚአብሔር ማለት

ሕማቅ ስራሕ ካብ ምስራሕ ተአጊድካ ጽቡቅ ስራሕ ክትሰርሕ ክትምሃር ምክአል ማለት ከም ዝኾነ አገንዚቦም።

ማኅበረ ሰብ ቤተ ክህነት ነዚ ቃለ እግዚአብሔር’ዚ ክሰምዕ ከም ዝተጸውዔ ጠቂሶም ክአ አብ መንጎ ሕይወትን አብ መንጎ እምነትን ዘሎ ርክብ ክብጠስ ከም ዘይብሉን ልዙብ ክኸውን ከም ዝግባእን አመልኪቶም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንነቢይ ኢሳያስ ጠቂሶም ሐቂ ዘይብሎም ግዳማዊ እምነት ለቢሶም ብቅዓተ እምነት ንዘይብሎምን ንእምነት ንዘበላሽዉን ከም ዝወቅስ ጠቂሶም ካብ ሐቂ ዝርሐቀ ምጽዋት ካብ ምቅራብ ክቁጠቡ ከም ዝግስጽ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አገንዚቦም።

ነቢይ ኢስያስ አብ ክንዲ እግዚአብሔር ኮይኑ ቃለ እግዚአብሔር ከስምዕ ከሎ ዓመጽ ስለትፍጽሙን ግቡዛት ስለዝኾንኩምን ወላኳ ድርብ ጸሎት እንተገበርኩም ክቅበለኩም አይኽእልን ኢየ ቅድም ክትነጽሑ አለኩም ቅድም ጽረዩ ሕማቅ ካብ ምግባር ርሐቁ ጽቡቅ ክትገብሩ ተመሀሩ ንፍትሒ ደሊኹም ርኸብዋ ከም ዝበለ ክአ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አረዲኦም።

አተሐሒዞም ክአ እምነትና ምስ ርእስና ምፍታው ዝተአሳሰረ እንተኾይኑ ከምቶም አብ ቤተ መቅደስ ዝነበሩ ነጋዶ’ሞ ክርስቶስ ካብ ቤት አቦይ ውጹ ዝበሎም ክኸውን ስለ ዝኽእል ጥንቃቄ የድሊ ኢሎም።

ካብ ኩሉ ጸረ እግዚአብሔር ዝኾኑ ነገራት ካባናን ካብ ቅድስቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያንን ክነርሕቆም አለና ዝበሉ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ

ንቅዱስ ሉቃስ ወንጌላዊ ጠቂሶም እቲ ንሕይወቱ ምእንቲ ርእሱ ኢሉ ዝዕቅብ እታ ሕይወቱ ክትጠፍእ ኢያ፡ እቲ ምእንቲ መድኅን ክርስቶስ ኢሉ ሕይወቱ ዘጥፍኤ ግን ንሕይወቱ እንደገና ክረኻባ ኢዩ ኢሎም።

ኡነተይና አምልኾተ እግዚአብሔር ሐቂ ንዝኾነ ክርስቶስ ብምሉእ ልብኻን ሐይልኻን ምፍቃር ምስኡ ምንባር ምስኡ ምጉዓዝ አሰሩ ምኽታል ከም ዝኾነ ክአ አገንዚቦም።

መንፈስ ቅዱስ ብምስጢራት አቢሉ ምስቲ ምእንቲ ድሕነትና ዝሞተን ዝተንስኤን ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ዘራኽበና ክአ ገሊጾም።

ክርስትና ማለት ግብረ ገብነት ማለት ከም ዘይኮነ ዘመልከቱ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ እቲ እግዚአብሔር ካብ ዓለም ዝጽበዮ ምግባር ማለት ከም ዘይኮነ ጠቂሶም እንታይ ድአ ምስጢራት እግዚአብሔር ምፍላጥ ምዕቃብ አርአያ ክርስቶስ ምኽታል ምስኡ ምዃን ምስኡ ምጉዓዝ ንዕኡ ምምሳል ግዳማዊ ተእዝዞ ዘይኮነ እምነትና ግብርናን ክነሰማምዖም አለና ማለትን ብግብሪ ዘይተሰነየ እምነት ከንቱ ውእቱ ብላሽ ከም ዝኾነ ክአ አረዲኦም።

ቅዱስ ወንጌል ከም ዝነግረና ኢሎም ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል ዓሰርተ ሽዱሽተ፡ ክርስቶስ ሰላም ከምጽእ ጥራሕ አይኮነን ንምድሪ ዝመጸ ጉራደ ሐቂ ሒዙ ኢዩ ዝመጸ ኢሎም።

ፍቅሪ ብዘይ ሐቂ ስምዒታዊ ኮይኑ ከም ዝተርፍ አጽኒዖም አመልኪቶም ክአ ፍቅሪ ብዘይ ሐቂ ባዶ ቆፎ ከም ዝኾነ አመልኪቶም።

አብዚ ሐቂ ክብሀል ከሎ ግልጸት ወልደ እግዚአብሔርን ትምህርቱን ኢዩ ጥዑማት ህዝበ እግዚአብሔር ብማለት ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አገንዚቦም።

አብ ነቢይ ኢሳያስ ተመርኲሶም ክአ ኡነተይና አምልኾተ እግዚአብሔር ፍትሐዊ ምዃን ካብ ኩሉ ሕማቅ ነገር ምርሐቅ ጽቡቅ ክትገብር ክትምሀር ምክአል ከም ዝኾነ ክአ አስሚሮምሉ።

ሐጢአተኛታት ከም ዝኾና ክንእመን ከም ዘለና ጠቂሶም፡ ኢየሱስ ክርስቶስ ወዲ ሰብ ብዙሕ ግዜ እኳ ሐጢአት ከም ዝፈጸመ ከም ዝተጋገየን እኳ እንተፈለጠ ከድሕኖ ድአምበር ጥፍአቱ አደለየን መሐሪ ስለ ዝኾነ ምሒርዎ ኢሎም።

ኢየሱስ ክርስቶስ ንወዲ ሰብ አድሒንዎ ጥራሕ ስቅ አይበለን እምነቱ አብ አግዚአብሔር ጌሩ ብሰላም ክነብር ፍትሕን ርትዕን ክደሊ ሩሕሩሕ ክኸውን ካብ ሐጢአት ርሒቁ ናብኡ ክምለስ ይደልዮ ምእንትኡ ክአ ተሰቂሉ ሞይቱ ተንሲኡ ኢሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.