2010-07-10 12:49:23

ንዳግማይ ኣስፍሆተ ወንጌል ጉዳይ ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ


ኣብ ፖርቱጋል ናይ ፖርቶ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ማኑኤል ክለመንተ ቅድሱ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ንዳግማይ ኣስፍሆተ ወንጌል ጉዳይ ዝሓሊ ዘቖምዎ ሓድሽ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣመልኪቶም RealAudioMP3 ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፣ እዚ ውሳኔ ቅዱስ ኣቦና እዚዩ ዘሕጉስን ኣብዚ እንነብረሉ ዘሎና እዋን ብፍላይ ድማ ኣብተን ክርስትያን ዝበሃላ ሃገራት ሕይወት ክርስትና ዛሕቲሉን እማኔ ዘይኮነስ ልማድን ካብ ዕለታዊ ሕይወት እውን ዝተነጸለ ኮይኑ ከምዘሎን፣ ነቲ ክርስትና ዝፈልጥን ክርስትያን ዝበሃል እንተኾነ ግን ክርስትናኡ ዘይነብር ብምዃኑ ነዚ ማኅበርሰብ ኣስፍሆተ ወንጌል ምቕራብ ቀሊል ኣይኮነን ዓቢ ምስናዳዋት ዘድልዮን ናይ መላእ ቤተ ክስትያን ዓቢ ጻዕሪ ዝሓትት መደብ ኢዩ።

ብዙሕ ግዜ ኣስፍሆተ ወንጌል ክበሃል ነቲ ክርስትና ዘይኣተወለን ሃገራትን ከተማታትን ማኅበርሰብ ክማኡ ድማ ክርስትና ተቐቢሎም ንዝነብሩ ኣብ ቁምስናታትን ሰበኻታትን ንምእመናን ዘተኮረ ከምዝኾነ ኢዩ ዝሕሰብ፣ ከምቲ ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ናብ ኣሕዛብ ዝብል ውሳኔ ምስቲ ዘሎናዮ ዘመን ዝብል ውሳኔ ዘጣምር ምኻኑ ሓቢሮም፣ ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣተን ቃል ኣምላኽ ዝበጽሔን ከባብታትን ዝነብርኦ እምነትን ከምቲ ገና ቃል ወንጌል ንፈለማ ንምብጻሕ ዝግበር ዝነበረ ዓይነት ኣገልግሎት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን መደብ ኣስፍሆተ ወንጌልን ዘይኮነስ ኣብተን ናይ ወንጌል ኣሰር ዘለወን ብዝተፈላለየ ምኽንያት ነቲ አሰር ክርስትና ኣደስኪለን ዝጓዓዛ ሃገራት፣ ሓድሽ መደብ ዳግማይ ኣስፍሆተ ወንጌል ምርግጋጽ ኣገዳሲ ምዃኑ ነዘመልከትዎ ዕላማ፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 እዚ እንነብረሉ ዘሎና ዘመን ዝኽተሎ ባህልን ፍልስፍናን ዝርኤ ናይ ፖለቲካ ማኅበራውን ሰብኣውን ፍልስፍናዊ ክልሰ ሓሳብ ብዕምቀት ዝፈልጡ ብምዃኖም ነቲ ዅሉ ኣብ ግምት ብምእታውን ንዳግማይ ኣስፍሆተ ወንጌል ጉዳይ ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ብምቛሞም ብሓቂ ዘሕጉስ ኢዩ ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.