2010-07-10 12:47:37

ናይ ኤውሮጳ ሃይማኖታዊ መገድታት ንምንቕቓሕ


ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ናይ ሊስቦና ናይ ሓባር ስምምዕ ሰነድ መሠረት፣ ኣብተን ናይቲ ኅበረት ኣባላት ሃገራት ናይ መስህቦ ምዕባለን ዓይነተይናነት ክህልዎ ምድጋፍ ዝብል ናይ ውሳኔ ዓነቀጽ RealAudioMP3 ዕለት 30 ሰነ 2010 ዓ.ም. ናይቲ ኅብረት ሕዝባዊ ባይቶ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ከምዘጽደቖ እንክንገር፣ እዚ ኣብ ኤውሮጳ ናይ መስህቦ ኢንዳስትሪ፣ ኣባላት ሃገራት ኤውሮጵ ኣብ ውልቃውነት ዘይኮነስ ኣብ ማኅበራውነት ዝሰረጸ ናይ ሓባር ናይ መስህቦ ኤኮኖሚ ከተባብዓን፣ ኣብዚ መዳይ ክደጋገፋን ዝተባብዕ ውሳኔ ምዃኑ ናይ ኅበረት ኤውሮጳ ድርገት ምኽትል ሊቀ መንበር ኣንቶኒዮ ታያኒ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበዎ ቃለ ምልልስ ኣመልኪቶም፣ እዚ ውሳኔ’ዚ ናይ ኤውሮጳ ሃይማኖታዊ መገድታት ዘነቓቕሕን ዘጉልሕን እውን ኢዩ ኢሎም።

ኤውሮጳ ኣብ ናይ ምስህቦ ባህሊ ቀዳመይቲ ኮይና ክትረክብን እዚ ናይ መስህቦ ባህሊ’ዚ ከተነቓቕሕን ኣብዚ ባህላዊ ጉዳይ’ዚ ዘለዋ ተመኵሮ ኣብ እተቕርቦ ባህላዊ ደገፋት ከተውዕሎ እውን ዘተባብዕ ውሳኔ ከምዝኾነን ሓቢሮም፣ ናይ ኤውሮጳ ናይ መስህቦ ባህሊ ናይ ኤውሮጳ ሃይማኖታዊ ታሪኽ ዝድህስስን ሃይማኖታዊ መገድታት ዘንጸባርቕ ኢዩ ኢሎም። ኣብ ናይ መስህቦ ባህሊ ናይ ኤውሮጳ ናይ ሓባር ሱታፌ ዘነቓቕሕ ከምዝኾነ ታሪኻውን ባህላውን መሠረት ኤውሮጳ ንምዕቃብን ሓድሽ ወለዶ ኣብዚ ባህሊ እዚ ፍቕሪ መታን ክሓድሮ ምትብባዕን ሕንጸት ብሉጽ ዓለም ነባሪ ክኸውን ዘተባብዕ እውን ምዃኑ ኣመልኪቶም፣ ኤውሮጳ ክርስትያናዊ ባህላዊ መሠረታ ንኻልኦት ባህልታት መዓጽዋ ክትኸፍት ዝሕግዛ እምበር ክትንጸል ዝድርኻ ኣይኮነን፣ ገዛእ ርእስኻ ምፍላጥ ምስ ካልኦት ንዝህልወካ ምቅርራብ መሠረትን ሚዛንን ኢዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.