2010-07-10 12:46:16

ላቲን ኣሜሪካ፣ ናይ ካቶሊክ ተግባር ማኅበር


“ሕይወት ዕለታዊ እንጀራ፣ ሰላም፣ ናጽነት፣ ናይ ካቶሊክ ተግባር ማኅበር ኣባላት ዓለማውያን ምእምናን ኣብ ከተማታት ንሰብኣውነት ዘማእከለ ዓለም ምርግጋጽ” ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ዝተመርሔ RealAudioMP3 ናይ መላእ ሃገራት ላቲን ኣሜሪካን ካራይብን ናይ ካቶሊክ ተግባር ማኅበር፣ ሻድሻይ ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣብ ከተማ ሜክሲኮ ቅድሚ ትማሊ ከምእተጀመረ ተሓቢሩ።

ኣብቲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣብ ሃገራት ላቲን ኣሜሪካ ዝርከባ ናይ ካቶሊክ ተግባር ማኅበራት መንፈሳውን ሰብኣውን ማኅበራውን ከማኡ እውን ዘቕርብኦ ኣገልግሎት መሠረት ምይይጥን መደብ ምልውዋጥ ተመኵሮን ክካየድ ምዃኑ እንክንገር፣ ኣብቲ ጉባኤ ዝሳተፉ ዘለዉ ኣብ ኢጣልያ ናይ ፓለስትሪና ሊቀ ጳጳስ ናይ ኢጣልያን ናይ መላእ ዓለም፣ ናይ ካቶሊክ ተግባር ማኅበራት ጉባኤ መራሒ ብፁዕ ኣቡነ ዶመኒኮ ሲጋሊኒ፣ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበዎ ቃለ ምልልስ፣ ናይ ካቶሊክ ተግባር ማኅበራት ዓለማውያን ምእመናን ዕላማ ምስታ ኣብ ከባቢኦም እትርከብ ካቶሊክ ቤተ ርክስትያንን ብፁዓን ጳጳሳትን ኣቡናት ዝተሓባበርን ኣብ ናይ ቤተ ክርስትያን ተልእኾ ዝሳተፍ ኢዩ።

ነቲ ኣብ እትነብረሉ ሃገር ዘሎ ጭቡጥ ኵነት ቀሪብካ ብዓይኒ ሰብኣውነትን ብኣስፍሆተ ወንጌል ኣነጺርካ ብምንባብ ብናይ ቤተ ክርስትያን ውሳኔታትን ሰነዳት ሥልጣናዊ ኣስተምህሮታትን ብቅዱስ መጽሓፍን ተደጊፍካ ብቕዑን ምስቲ ኩነት ዝተኻኸል ኣገልግሎት ምቕራብ ኢዩ።

ስለዚህ ንበይኑ ዝተነጸለ ማኅበር ዘይኮነስ ኣብ ማሕጸን እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን ዝነብር ኢዩ ኢሎም።

እቲ ኣብ 2007 ዓ.ም. ኣብ ብራዚል ከተማ ኣፓረሲዳ ዝተኻየደ ናይ መላእ ላቲን ኣሜሪካን ካራይቢን ብፁዓን ጳጳሳት ሓፈሻዊ ሓምሻይ ጉባኤ ዘውጽኦ ናይ ሓባር ሰነድ መሠረት ድማ፣ ሕይወት ዕለታዊ መግቢ ሰላምን ነጻነትን ዝብሉ ኣርባዕተ ኣብ ናይ ወዲ ሰብ ሕይወት ኣዚዮም ኣገደስቲ ዝኾኑ ረቛሕታት ብምጥቃስ፣ ኣብ ዓለም ዝርኤ ጸረ ሕይወት ተግባር ኵሉ እቲ ምስ ሕይወት ዝተተሓሓዘ ሽግር፣ ሕይወት ብኸመይ ይሕሰብ ብኸመይ ከ ይእንገድን ይድገፍን ኣብ መንጎ ፍጥረት ሰብ ዘሎ ርክብን ዝምልከትን ከምኡ ድማ መግቢ ወይ ድማ ዕለታዊ እንጀራ ኣብ ላቲን ኣሜሪካን ኣብ ድኽታት ሃገራት ዘሎ ስእነት መግብን መግቢ ምርካብ ናይ ኵሉ ፍጠረት ሰብ መሠረታዊ መሰል ምዃኑን ሰላም ዓብይ ናይ እግዚኣብሔር ህያብ ስለ ዝኾነ ድማ ፍጥረት ሰብ ሰላም ኣብ እርከበሉ ቦታ ከናድያን ኣብ ምርግጋጻ ከበርክቶ ዘለዎ ጻዕርን ንረብሓ ኵሉ ትኽክለይናን ዓሚዩቕን ዓበይት ክቡራት ዋጋታት ሕይወት ዘንጸባርቕ ምርጫ ዝኽተል ሓቀይና ነጻነት ንዝብሉ ጉዳያት ዝምልከት ኣኼባ ኢዩ ኢሎም።

እቲ ብዙሕ ግዜ ሸለል እንብሎ ኣብ ማሕጸን እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን ዘሎ ናይ ምእመናን ናይ መንነት መለለዪ፣ ዳግም ሕያው ንምግባርን እዚ ማለት ድማ ኣብ ቤተ ክርስያን ምስ ቤተ ክርስትያን ክርስያናዊ መንነትን ናይ እምነትን ኣማንን ኣፍቃሪ ክርስቶስን ቤተ ክርስትያንን ናይ እምነት ተመኵሮ ንኻልኦት ዘካፍልን ዝነብርን ዝብል ምዃኑ ጠቒሶም፣ ነዚ ብምስትንታን እቲ ጉባኤ ዓለምና ሰብኣውነት ለበስ ክኸውን እዚ ናይ ካቶሊክ ተግባር ማኅበር ክፍጽሞ ዘለዎ ኣገልግሎት ዘነጽር ኢዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.