2010-07-08 14:29:22

ናይ ኮሎምቢያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ


ኮሎምቢያ መበል 200 ዓመት በዓል ናጽነታ ኣብ ብምብዓል ኣብ ዘላትሉ እዋን ናይታ ሃገር 78 ብጹዓን ጳጳሳት ዝሓቁፍ ቤት ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ዕለት 6 ሓምለ 2010 ኣብ ዝሓለፈ ክልተ RealAudioMP3 ዘመን ኣበርክቶ ተልእኮ ኣስፍሆተ ወንጌል ቤተ ክርስትያን ኣብ ማህበራዊ ሕንጸትን ብዝብል ኣእርስቲ ዝተመርሔ ጉባኤ ከምዘካይደ ተሓቢሩ።

በዚ ኣጋጣሚ ናይ ኮሎምቢያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምክሪ እቲ ሓድሽ ዝተመርጸ ብርእሰ ብሔር ዅዋን ማኑኤል ሳንቶስ ዝምራሕ መንግሥቲ ድኽነት ስእነት ሥራሕን ዓመጽን ዝብል ዓበይቲ ማኅበራዊ ሰብኣዊ ሽግራት ኣብ ቅድሚኡ ተደቂንዎ ከምዘሎን፣ እቲ መንግሥቲ ነዞም ዓበይቲ ሽግራት ሕዝቢ ኮሎምቢያ ንምቅላልን ንምስናፍን ዘብቕዕ ፖለቲካዊ መርሃ ግብር ክትግብር ከምዘተሓሰሰብ እንክግለጽ፣ ናይ ኮሎምቢያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ናይ ባራንኩይያ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ሩበን ሳላዛር ጎመዝ፣ ኣብታ ሃገር 2.6 ሚሊዮን ብስእነት ሥራሕ ዝተጠቕዑ፣ 52.7% ጉልበት ሠራሕተይና ኣብ ዘይሕጋዊ ሥራሕ ማለት ብዘይ ውዕል ካብቲ ኣብ ቅዋም ሃገር ተሓንጺጹ ዘሎ ናይ ሰራሕተይና ጉዳይ ዝምልከት መምርሒ ትእዛዝ ወጻኢ ኮይኑ ቀረጽ ናይ ምኽፋል ግድነት ዘየኽብር ብምዃኑ፣ ሓገርን ሕዝብን ናብ ድኽነት ውሑዳት ዜጋታት ድማ ኣብ ምድላብ ሃብቲ ይድርኽ ከምዘሎን ሓቢሮም፣ ኣብ ድኻን ሃብታም ዘሎ ናይ ናብራን መነባብሮን ፍልልይ እዚዩ እናተረሓሓቐን እዚ ድማ ዓመጽ እናወለደ ኅብረሰብኣዊ ሰላም የተዓናቕፍ ኣሎ ከምዝበሉ ተገሊጹ።

እቶም ናይ ተልእኾ ዘመኖም ዘብቕዕ ዘሎ ርእሰ ብሔር አልቫሮ ኡሪበ ምስ ብፁን ጳጳሳታ ኮሎምቢያ ተራኺቦም ኣበርክቶ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ኣብ ኮሎምቢያ ዝነኣድ ምዃኑ መስኪሮም፣ ስኒት ዝዓሰላ ሓድነታ ዝዓቀበት ሃገር ኣብ ምሕናጽ ዝግበር ጻዕሪ ናይ ቤተ ክርስትያን ኣስተዋጽኦ ብሉጽ ኢዩ ከምዝበሉ ተሓቢሩ።

ኣቲ ፋርክ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣብ ኮሎምቢያ ብረታዊ ቃልሲ ዘካይድ ኃይሊ ብረቱ ኣውሪዱ ኣብ ዘተ ክኣምንን እቲ ሓዘንን ምፍልላይን ሕነ ምፍዳይን ዘስፍሕ መድረኽ ብምውጋድ ካብ ዘተ ዝምንጭ ነባሪ ሰላም ክረጋገጽ፣ ብፁዓን ጳጳሳት ኮሎምቢያ ብምትሕስሳብ ቀጺሎም እቲ ብገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነት ዝተፈጸመ ናይ ወሲብ ዓመጽ ንቤተ ክርስትያን እውን ከምዘሳቕያን ገሊጾም፣ እዚ ዓይነት ጸረ ሰብኣዊ ገበን ከይፍጸም ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ኣብ ኮሎምቢያ ውህደትን ምስ ቅዱስ ር.ሊ.ጳ. ብመሪሕነትን ቅ.ኣ. ር.ሊ.ጳ. በ መሠረት ምሕረት ብምሕታት፣ እቶም ገበነይናታት ግቡእ ፍርዶም ክረኽቡ ከምዘለዎም ብፁዓን ጳጳሳት ኮሎምቢያ ኣመልኪቶም።







All the contents on this site are copyrighted ©.