2010-07-08 14:36:47

ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ሓልዮት


ኣምነስት ኢንተርናሺናል ተባሂሉ ዝጽዋዕ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ተሟጋቲ ማኅበር ኣብ ናይሮቢ ድኻታት ኣብ ዝነብርሉ ሥፍራ ናይ ደቀ ንስትዮ ደህንነትን ሰብኣዊ ክብርን ውሑስ ከምዘይኮነ ኣመልኪቱ። RealAudioMP3

ኣብቲ ብድኽነት ዝተጠቕዔ ህዝቢ ዝቕመጠሉ ቦታ ደቀ ንስትዮ ንዝስተፈላለዩ ዓመጻት ተቓልዔን ከምዝርከባን፣ ካብ ቤተን ምውጻእ ማለት ንዝተፈላለዩ ሓደጋታት ገዛእ ርእሰን ኣሕሊፈን ምሃብ ማለት ምዃኑ ስለ ዝፈልጣ፣ ሓሚመን እውን ናብ ክንክን ጥዕና መውሃቢ ማእከል ንምኻድ ይትረፈኒ ቢለን ተዓጽየን ተነጺለን ንኽነብራ ተገዲደን ከምዘለዋ፣ ኣብ ምሥራቕ ኣፍሪቃ ናይ ኣምነስት ኢንተርናሺናል ወኪል ጎድፍረይ ኦዶንጎ ሓቢሮም።

ኣብቲ ኣዚዩ ብድኽነት ዝተጠቕዔ ክፍሊ ኅብረሰብ ዝነብርሉ ከባቢ ብቑዕ ቤት ንጽሕናን እዅል ናይ መውሃቢ ክንክን ጥዕና ኣገልግሎት ስለ ዘየለ፣ ናይቶም ድኻታት ሽግር ክደራረብ ይገብሮ ከምዘሎ ድማ ኦዶንጎ ሓቢሮም፣ መንግሥቲ ናይተን ደቀ ንስትዮ መሰል ውሑስ ክገብርን ነቶም ኣብቲ ናይ ድኻታት ሠፈር ዝነብር ህዝቢ ብዝተፈላለየ መዳይ ሓገዝ ከቕርብ ከምዝጸውዑ ተገሊጹ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ናይ ኬንያ መንግሥቲ ደሞዝ ኣባላት ሕዝባዊ ባይቶ ብ 18% ክብ ከብሎ ዝጠልብ ዘጽደቖ ሕጊ ኣብታ ሃገር ብዙሕ የካትዕን ዝተፈላለዩ ናይ ሰላማዊ ስለፊ ኣድማ የተባብዕ ከምዝሎ እንክንገር ነዚ ኹሉ ኣብ ግምት ብምእታው ርእሰ ብሔር ኤሚልዮ ምዋይ ኪባኪ እቲ ሕጊ ኣብ ግብሪ ክውዕል ዝፈቕድ ክታትሞም ካብ ምንባር ክቑጠቡ ኢዮም ዝብል ጽንጽንታ ከምዘሎ ይንገር።








All the contents on this site are copyrighted ©.