2010-07-08 14:27:24

ስደትን ስደተይናን


ቅዱስ ኤጂዲዮ ናይ ካቶሊክ ማኅበር ዘዳለዎ ብዛዕባ ስደትን ስደተይናን ጉዳይ ዝዘተየ ጉባኤ ቅድሚ ትማሊ ኣብ ሮማ ከምእተኻየደ እንክዝከር፣ እዚ ጉባኤ ኣብ ኢጣሊያ መራኸቢ RealAudioMP3 ብዙሃን ነዚ ማኅበረሰብኣዊ ክስተት ብዙሕ ትኵረት ከምዘይገብራሉን እንተገበራሉ ድማ ብኣሉታዊ መልክዕ ከምዝኾነን፣ መጻእተይና ኣብ ዝተኣንገደሉ ሃገር ምስ ዘእንገዶ ሕዝቢ ባህልን ልምድታትን ተሳኒዩ ንኽነብር ከምዘይሕግዛ እቲ ዝተኻየደ ጉብኤ ብምምልካት፣ ኣብ ኢጣሊያ 4 ሚሊዮን ፈረቓን ስደተይናታት ከምዘለዉን፣ መረኸቢ ብዙሃን ብዙሕ ጊዜ እዞም ስደተይናታት መነባብሮኦምን ጻዕሮም ሃረርታኦምን ኣብ ዝተኣንገድሉ ማኅበርሰብ ዘለዎም ተራን ዘበርክትዎ ኣስተዋጽኦ ዘይኮነስ፣ ብዛዕባ ጸጥታን ደህንነት ምስ ዝምልከት ኣርእስቲ ጥራሕ ብምትሕሓዝ፣ ሓደ ስደተይና ዝፈጸሞ ውልቃዊ ገበን ዳርጋ ናይቲ ዅሉ ስደተይና ሓባራዊ ገበን ብዘስምዕ ዓይነት ኣተናትና ከምዝገልጽኦን፣ ተራ መራኸቢ ብዙኃን ግን ንውህደትን ምክብባርን ምቅብባልን ንምልላይን ዝድግፍ ክኸውን ከምዝግባእ እቲ ጉባኤ ኣተሓሳሲቡ።

ናይ ቅዱስ ኤጂዲዮ ናይ ካቶሊክ ማኅበር ወሃቢ ቃል ማሪዮ ማራዚቲ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ መራኸቢ ብዙሃን ንሓደ ኣርእስቲ ወይ ድማ ማኅበራዊ ፖለቲካዊ ሰብኣዊ ክስተት ኣዕሚዩቐን ብምጽናዕን ብቐረባ ተመልኪተን ናብ ሰማዒ ኣክዲ ዘቃልሓኦ ብኣእምሮኣዊ ትህኪት ዝተጠቕዓ ኮይነን፣ እቲ ብዝተፈላለየ ማሕብራዊ ፖለቲካዊ ሰብኣዊ ወዘተርፈ ሽግራት ተደሪኹ ሕዝቡን ንብረቱን ዓዱን ቤተ ሰቡን ዛዕዚሑ ዝስደድ ሕዝቢ ወይ ድማ ውልቀ ሰብ፣ ዝተሰደ ብምባል ኣክንዲ ዝገልጾኦ፣ ምሥጢራዊ ዓሌት፣ ዘይፍሉጥ፣ ዝገልጽኦ ክኾና እንከለዋ፣ እዚ ድማ እቲ ስደተይና ዘእንገደ ሕዝቢ ነቲ ዝተሰደ ብጥርጠራ ዓይኒ ክርእዮ የገድዶን፣ ንስኒትን ውህደት ዘየተባብዕ ምዃኑ ኣብቲ ዝተኻየደ ጉባኤ ከምዝተሓበረ ኣመልኪቶም።

ኣብ ሮማ ናይ ማኅበር ጋዜጠይናታት ሊቀ መንበር ፓውሎ ቡቱሪኒ፣ ዝኾነ ይዅን ጋዜጠይና ብመራኸቢ ብዙሃን ዝኾነ ይዅን ንውልቀ ሰብ ድዩ ንማኅበርሰብ ዝምልከት ኣርእስት ተመሥሪቱ ዘቕርቦ ዜና ናይ ኣደባባይ ሚሥጢር ኢዩ ዝኸውን፣ ምእንቲ’ዚ እቲ ናይቲ ኣርእስቲ በዓል ቤት እቲ ብዛዕባኡ ዝበሃል ዜና መሠረት ሓሶት እንተድኣ ኮይኑ መልሲ ክህበካን ክሓተካን ክኸሰካን እውን ይኽእል ኢዩ፣ ብዛዕባ ስደተይናታት ዝበላ እንተበላ ግን እቲ ስደተይና ካልእ ብዙሕ ጸገማት ስለ ዘለዎ፣ ክሓተካ ድዩ ክኸሰካ ወይ ድማ ጌጋ ኢዩ ቢሉ ክካትዓካ ዕድል የብሉን፣ ስለዚህ ምራኸቢ ብዙሃን ናይ መራኸቢ ብዙኃን ሥነ ምግባር ክኽተላ ከምዘለወን እቲ ዝተኻየደ ጉባኤ ከምዝተሓሳሰብ ገሊጾም።







All the contents on this site are copyrighted ©.