2010-07-06 13:40:30

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ.፦ ናጻ ንምዃን ኣስተውዕሎ/ኣእምሮኣዊ ክእለትን እምነትን ምጥማር


ዝሓለፈ ሰንበት ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ሱልሞና ሓዋርያዊ ብጻሕ ከምዘካየዱ እንክዝከር፣ ኣብታ ከተማ ኣብ ዝርከብ ካቴድራል፣ ሰንበት ድሕሪ ቐትሪ RealAudioMP3 ኣስተዕሎ/ኣእምሮኣዊ ክእለትን እምነትን ብምጥማር ካብ ዘመን ኣምጽኦን ተማስሎኣውነት ማለት ሓቅን ሰብኣዊ ክብርኻን ረጊጽካ ተመሳሲልካ ምንባርን ኣሕላኽን ዓይነት ኣነባብራ ናጻ ምውጻእ ኣብ ዝብል ቅዉም ሓሳብ ዘማእከለ ኣተምህሮን መሪሕ ቃልን ከምዝሃቡ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ቅዱስነቶም ንኽብሪ ቅዱስ መበል 192 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን ጴጥሮስ ቸለስቲኖ ሓምሻይ ዓመት ኢዩቤል ምኽንያት፣ ኣብታ ካቴድራል ትሕቲ ምድሪ ናብ ዝርከብ ቅዱስ መቓብሮም በጺሖም ጸሎት ድሕሪ ምዕራግ፣ ምስቶም መንእስያት ተራኺቦም፣ ካብቶም መንእሰያት ንዝቐረበሎም ሕቶ ሓደ ብሓደ ብምምላስ መሪሕ ቃሎም ከምዝሃቡ ተገሊጹ። ብቕንዕና ብገርሄይና ልቢ ዘቕረብክምዎ ሕቶታትኩም ብሓቂ ዓንዲ ሕይወት ዝኾኑ መወከሲ ነጥብታት ከምዘለኵም ዝምስክር ኢዩ፣ እዚ ድማ እቲ ዓቢይን ኣገዳስን ጉዳይ ከምዝኾነ ነቶም መንሰያት ሓቢሮም።

እቶም ኣብ ቅድሚኦም ዝተረኽቡ መንእሰያት ንገዛእ ርእሶም መሠራታውያን ሕቶታት ዘቕርቡን ናይ ሕይወት ትርጉም ንምርዳእ ዝጽዑርን ናይ ሓቅን ጽቡቕን ትርጉም ዘናድዩን፣ ዝሓቱን መንእሰያት ምዃኖም ካብቲ ዝቐረቡሎም ሕቶታት ክምእተገንዘቡን ድማ ሓቢሮም፣ ልብን ኣእምሮን ተጠቂምካ ምኽኣል ቀሊል ኣኮነን፣ ነቶም መንሰያት እዚ ተኽእሎ’ዚ ከም ዘለኵም ብቐረባ ከረጋገጽ ኪኢለ ቢሎም፣ ብሓቂ እቲ እግዚኣብሔር ዝሃበና ኣስተውዕሎ/ኣእምሮኣዊ ክእለትን ጥበብን ንምጥቃም ክንመሃር ይግባእ ምስ በሉ፣ ዝሓለፈ ናይታ ከተማ ታሪኽ ድማ ጠቂሶም፣ እቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ወለድታት ክመሃሩን ኣብ ኅብረሰብ ገዛእ ርእሶም ናይ ምርግጋጽ ዕድል ዘይረኸቡን እኳ እንተነበሩ፣ እቲ ንወዲ ሰብ ብሓቂ ሃብታም ዝገብር እምነትን ክቡራት ዋጋታት ግብረ ገብን ኔርዎም ኢዩ። እዚ ኢዩ ድማ ንሓደ ሰብ ዘቕውምን ምቕሉል ማኅበራዊ ናብራ ዘረጋግጽን ኢሎም።

ኣብ ሕይወት ወዲ ሰብ ታሪኻዊ ተዘክሮ ዓቢ ግደ ኣለዎ፣ ታሪኹ ዘይዝክር ወይ ድማ ታሪኻዊ ተዘክሮ ዘይብሉን ዘይዕቕብን፣ መጻኢ ዝበሓል የብሉን፣ ኣብ ሓደ እዋን ታሪኽ መምህር ሕይወት ኢዩ ዝብሃል ዝነበረ ምስላ ድማ ጠቒሶም፣ ኣብዚ እዋን እዚ እቲ ዝሰፍሕ ዘሎ ናይ ምህላኽ ባህሊ ታሪኻዊ ተዘክሮ ብምሕካኽ፣ ኩሉ ኣብ ዘሎ ወይ ድማ ኣብ ህልው ኩነታት ብምጽፋሕን ብምጥቕላልን ናይ ዝሓለፈ ታሪኽ ትርጉሙ ንኸጥፍእ እናገደደ፣ ፍጥረት ሰብ ገዛእ ርእሱ ናይ ምፍላጥ ብቕዓትን ከይድን ብምውጋድን ብምምካንን፣ ሕይወት ዘቕርቦም ሕቶታት ንኸይስትውዓሉ እናገበረ፣ ኣብዚ ኩነት ዝተመሠረት ናይ ጽባሕ ሕይወት ንኽሕነጽ ይድርኽ፣ ምእንቲ’ዚ ክርስትያን ናይ ታሪኽ ተዘክሮ ዘለዎን ታሪኽ ዘፍቅርን ታሪኽ ንኽፈልጥ ዝተግህን ኢዩ ኢሎም።

ዕለታዊ ጸሎት ካብዚ ክዉን ተግባር ዝተነጸለን ነቲ ጭቡጥ ኩነት ዝዝንግዕ ኣይኮነን፣፣ ነዚ ክውን ባህሊ ኣብ ግምት ዘእትው ኢዩ። ምስ እግዚኣብሔር ምዝታይ ውሕስነት ሓቅን ሓቂ ምስ ገዛእ ርእስኻን ምስ ካልኦትን/ብጻይካን ማለት ኢዩ። እዚ ድማ ሓቀይና ናጽነት ምዃኑ ኣረዲኦም፣ ምስ እግዚኣብሔር ምዃን ንቓሉ ጽን ምባል፣ ኣብ ወንጌል ጽን ምባል፣ ኣብ ሊጡርጊያ ቤተ ክርስትያን ምስታፍ ካብ ትዕቢትን ድርቅናን ካብ ዘመን ኣምጽኦን ተማስሎኣውን ኣሕላኽን ዓይነት ኣነባብራን፣ ካብቲ ጽቡቕ ተመሲሎም ካብ ዝቐርቡ መስሓቲ ተግባራት ዘናግፍ ናይ ብሓቂ ናጻ ዝገበር ኃይሊ የጸግው። እዚ ድማ ር.ሊ.ጳ. ቅዱስ ቸለስቲኖ ሓምሻይ ኣብ ሕይወት ዘመኑ ንእግዚኣብሔር ካብ ምእዛዝ ብዝጸንዔ ሕሊና፣ ብዘይ ፍርሓትን ብዓቢይ ትብዓትን ሰብኣዊ ክብሩ ንኸይጥፍእ ዝገበሮ መፍነሳዊ ተጋድሎ፣ ብሓቂ ኣብ ሓቂ ምዃን እንታይ ማለት ምዃኑ ዝምስክር ከምዝኾነን ገሊጾም፣ ሓቀይና ነጻነት ኣብ ሓቂ ምዃን ዝርከብ ኢዩ ኢሎም።

ኣብ መወዳእታ መንሰያት ነቲ ኣባል ዝኾኑሉ ማኅበረ ክርስትያን ከፍቅሩን ናይ እምነት ተመኵሮ ብግልን ብሓባርን ንምንባር ከይፈርሑን እታ እምነት ዘጸገወቶምን ክርስቶስ ክፈልጡ ዝሓነጸቶም ቤተ ክርስትያኖም ከፍቅሩን፣ ነቶም ምስ መንበረ ጴጥሮስ ውኅደት ዘለዎም መራሕቶም ብፁዓን ጳጵሳትን ከማኡ ድማ ውሉደ ክህነትን ከፍቅሩን ኣተሓሳሲቦም፣ ካህን ሽሕ እኳ ከም ኵሉ ዘይፍጹም ይኹን ኣብ ሕይወት ክርስትና ኣድላዪ ኢዩ ኢሎም፣ መንሰያት ምስ ክርስቶስ ካብ ምርኻብ ዝምንጭ ሓጎሶምን ተስፋኦምን ዓቂቦም፣ እዚ ኣብ ክርስቶስ ዝኾነ ሕይወት ንብጻዮምን ንመሰታኦምን ንምክፋል ለጋሳት ኽኾኑ ኣተሓሳሲቦም ቡራኬ ሂቦም ከምእተፋነዉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.