2010-07-06 13:38:42

መደብ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ናይ እንግሊጣር ንግሥቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊትን ናይ እንግሊጣርን ወይለስን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዕድመ መሠረት ካብ ዕለት 16 መስከረም RealAudioMP3 ክሳብ ዕለት 19 መስከረም 2010 ዓ.ም. ኣብ እንግሊጣር ሓዋርያዊ ብምጻሕ ከካይዱ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ማሕተምን ክፍሊ ዜናን ሓላፊ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ትማሊ ብዕሊ ኣፍሊጦም።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ኤዱምብርጎ ኣብ ዝርከብ ሕንጻ ነገሥት ዘ ሆልይሩድሃውስ ምስ ቅድስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት ክራኸቡን ኣብ ናይ ቤላሆስቶን ኣብ ዝርከብ ሕዝባዊ ሥፍራ ኣታኽልቲ ዘ ግሎስኮው መሥዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉን ቀጺሎም ኣብ ዌስትሚንስትር ኣዳራሽ ምስ ናይታ ሃገር ናይ መንግሥትን ናይ ፖሊቲካን ናይ ባህልን ምስ ናይ ትካትላትን ናይ ኤኮኖምን ጉዳይ ዝሓልዩ ላዕለዎት ኣካላትን ክራኸቡን ኣብ ዌስትሚኒስትር ኣብ ዝርከብ ደብሪ ምስ ናይ ካልኦት ሃይማኖታት መራሕቲ ናይ ሓባር ጸሎት ከዕርጉ ከምዝኾኑን፣ ኣብ ናይ ዌስትሚንስትር ካቴድራል መሥዋዕቲ ቅዳሴ ክሠርዑን፣ ሎንደን ኣብ ዝርከብ ሃይደ ሕዝባዊ ሥፍራ ኣታኽልቲ ናይ ዋዜማ ጸሎት ክመርሑን ንጽባሒቱ ኣብ ብሪንግሃም ኣብ ዝርከብ ኮፍቶን ሕዝባዊ ሥፍራ ኣታኽልቲ ብዘዕርግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ንኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ብፁዕ ካርዲናል ጆን ሄንርይ ኒውማን ብፅዕና ክእውጁ ምዃኖም ኣባ ሎምባርዲ ካብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።








All the contents on this site are copyrighted ©.