2010-07-03 15:22:39

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ክርስቶስ ልቢ መንእሰያት ክማርኽ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ትማሊ ብናይ ማድሪድ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል አንቶኒዮ ማሪያ ሩኮ ቫረላ ተመሪሖም ናብ ቫቲካን ንዝመጹ ናይቲ ዝመጽእ ዘሎ ዓመት ኣብ ስፐይን RealAudioMP3 ከተማ ማድሪድ ንኽካየድ ተወሲኑ ዘሎ መበል 26 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንሰያት ኣሰናዳእቲ ጉጅለ ተቐቢሎም መሪሕ ቃል ከምዝሃቡ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ቅዱስነቶም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ፍቕሪ ክርስቶስ ክማርኸና መታን ንፍቀደሉ፣ ቢሎም እቶም ተሳተፍቲ መንእሰያት፣ ነዚ ወሳንነትን ሸቶን ሒዞም ክቐርቡ ከምዘለዎም ድማ ኣተሓሳሲቦም፣ እቲ መደብ መዓልቲ መንእሰያት ኣብ ሕይወት መንእሰይ ብዘተባብዕ ውጽኢት ፍርያማ ከምዝኸውን ተስፋኦም ገሊጾም፣ እዚ መታን ክረጋገጽ ድማ እቲ መደብ መዓልቲ መንሰያት ንማርያም ኣማዕቍይቦም።

ቀጺሎም ኣብዚ እዋን’ዚ ብዙሓት መንሰያት ብተሓጓስ ንሓድ ሕዶም ክራኸቡን ቃል ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ጽን ክብሉን እቲ ሓደ ዝገብሮም እምነቶምን ተመኵሮ እምነቶም ከካፍሉን ኣብ ወንጌል ዝቖመን ብናይ ወንጌላውያን ክቡራን ዋጋታት ዝተተባብዔ፣ ብሉጽ ዓለም ንምሕናጽ ዘለዎም ድላይ መሠረት፣ ቆላሕታኦም ናብታ ጽብቕቲ ከተማ ማድሪድ ኣቕኒዑ ኣሎ ኢሎም።

ቅዱስ ኣቦና መሪሕ ቃሎም ድሕሪ ምሃብ ንናይ ስፐይን ብፁዓን ጳጳሳትን ናይቲ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ኣሰናዳኢ ጉጅለ ዘካይዶ ዘሎ ምድላዋት ዕዉት መታን ክኸውን ኣብ ጸሎትም ህልዋት ምዃኖም ከምዘረጋገጹ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.