2010-07-01 13:56:55

ቅዱስ ምስሊ ቅዱስ መስቀል


ኣብ ኣባይቲ ትምህርቲ እቲ ቅዱስ ምስሊ ቅዱስ መስቀል ምስቃል ወይ ድማ ዘይምስቃል RealAudioMP3 ዝብል ርእሰ ጉዳይ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ዓቢ ናይ ክትዕ ኣርእስቲ እናኾነ ይኸይድ ከምዘሎ እንክንገር፣ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብዛዕባ እቲ ኣብ RealAudioMP3 ኣባይቲ ትምህርቲ ቅዱስ መስቀል ምስቃል ዝኽልክል ብፍላይ ድማ ንኢጣሊያ ዝምልከት ዕለት 3 ሕዳር 2009 ዓ.ም. ዘመሓላለፎ ቀዳማይ ውሳኔ፣ ኢጣሊያ በቐዳማይ ደረጃ ቀጺለን ድማ ካልኦት 10 ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳን 30 ኣባላት ሕዝባዊ ባይቶ ሕብረት ኤውሮጳን ዝተፈላለያ ዘይመንግሥታውያን ናይ ግብረ ሰናይ ማኅበራት ዝሃበኦ ናይ ኢጣሊያ ይግባይ ደገፍ መገልጽኤን መሠረት፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣባይቲ ትምህርቲ ቅዱስ መስቀል ምስቃል ዝኽልክል ናይቲ ቤት ፍርዲ ቀዳማይ ውሳኔ ዕለት 30 ሰነ 2010 ዓ.ም. ዳግም ተራእዩ ውሳኔ ከምእተወሃበሉ እንክንገር፣ እቲ ቤት ፍርዲ ዝሃቦ ውሳኔ ድሕሪ ቁሩብ ኣዋርሕ ብዕሊ ክንገር ምዃኑ ተገሊጹ።

ኣቨኒረ እተሰምያ ንናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ዕለታዊ ጋዜጣ ልኡኽ ጋዜጠይና ነቲ ጉዳይ ብቐረባ ዝተኸታተልዎ ፔርልዊጂ ፎርናሪ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ካብተን ናይ ኢጣሊያ ናይ ይግባይ ሕቶ ዝደገፋ ሃገራት ኤውሮጳ፣ ናይ ኦርቶዶክስ ሃይማኖት ናይ ብዙሃን ዝኾነለን ሃገራትን ቀደም ናይ ኮሙኒዝምን ሥርዓት ዝኽተላ ዝነበራ ሃገራት ዝርከብኦ ምዃኑ ሓቢሮም፣ እቲ ኻልእ ድማ ነቲ ናይቲ ቤት ፍርዲ ቀዳማይ ውሳኔ ዝተቓወሙ ናይ ኣይሁድ ሃይማኖት ተኸታሊ ፕሮፈሶር ወይለር፣ ኣብ ኣባይቲ ትምህርቲ ቅዱስ መስቀል ምስቃል ፍቑድ ክኸውን ኣለዎ ኢሎም፣ ኣብዚ ድኅረ ዘመናውነት ባህሊ ኣብ ዝዕብለሉ ዘሎ እዋን ባህላዊ ልምድታትን ብሔራው መንነት መለለይን ምስ ናይ ውልቃዊ ነጻነትን ምስ ናይ ውሁዳን መሰል ምስምማዕ የድሊ፣ እዚ ልዝብ ወይ ድማ ስኒት ከም ምክብባርን ምቅብባልን ኣብ ውሽጢ ሓደ ባህሊ ወይ ድማ ልምዲ ብመልክዕ ኅብረኣውነት ኮይኑ ክምዕብል ኣለዎ፣ እዚ ድማ እቲ ናይ ክርስትና እምነት መግለጺ ቅዱስ መስቀል ነዚ ጉዳይ ዝሕግዝ ኢዩ ከምዝበሉ ጋዜጠይና ፎርናሪ ሓቢሮም፣ ቀጺሎም ካብ እምነት ናጻ ዝኾነ መንግስታዊ ምሕደራ ዝኽተሎ ናይ ዓለማውነት ሥነ ሓሳብ ርኅው እምበር ዘይዕጸፍ ድሩቕ ክኸውን የብሉን፣ ምእንቲ’ዚ ናይ ሃይማኖት ነጻነት ዘኽብር ጥራሕ ዘይኮነስ ዘተባብዕ እውን ክኸውን ኣለዎ። ኵላውነት መልክዕ ዘለዎም ክቡራት ዋጋታት ብናይ ውልቃዊ ነጻነትን መሰልን ግቡዕን መሠረት ኣይኮነን ክኽበሩ ዘለዎም፣ እዚ ማለት ድማ ኣቶም ኵላውነት ለበስ ክቡራት ዋጋታት፣ በቲ ንናይ ሕብረት ኤውሮጳ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ግቡእን ውሳኔ መሠረት ብዝኾነ ብናይ ዓለም ሓቆፍ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ግቡእን ውሳኔ መበቆል ተባሂሉ ዝፍለጥ ብመትከል ኵላውነት ለበስ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ግቡዕን ኢዩ ክኽብሩ ዘለዎም ኢሎም።

ናይ ሳን ማሪኖን ሞንተፈልትሮ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ልውጂ ኔግሪ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ኣመልኪቶም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ቅዱስ ምስሊ ቅዱስ መስቀል፣ ናይ ሓደ መሠረታውን ቀጻልን ኩነት ጽማሬ ኢዩ፣ እዚ ድማ ኢዩ እቲ እምነት ኣብ ዝሓለፉ ዘመናትን ሕጂ እውን ኣብ ባህልታትን ኅብረተሰብን ንኽሰማማዕ ዘኽኣለ፣ እዚ ናይ እምነት ጽማሬ ቅዱስ መስቀል ናይ ካቶሊክ እምነት ክርስትና ኣይፋል ዝብሎ ኩነት ኣይኮነን፣ ንቕዱስ መስቀል ኣይፋል ምባል ወይ ድማ ምኽልካል፣ ነቲ ናይ ባህሊ መሠረት ዝኾነ ዓንዲ ምቅዋም ማለት ኢዩ ኢሎም።

ስለዚህ እዚ መሠረት እዚ ብሓይሊ ዝተተኽለ በስገዳድ ዝመጸ ኣይኮነን ክትቕበሎን ክትነጽጎን ትኽእል ኢኻ እንተኾነ ግን ዝነበረን ዘሎን ዝነበርን ኢዩ። እዚ ድማ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ናይ ኤውሮጳ ባህሊ መሠረት ኣመልኪቶም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ዝተገልጸ ሓሳብ ምዃኑ ብፁዕ ኣቡነ ነግሪ ኣዘኻኺሮም፣ ሕዝቢ ኤውሮጳ ንቕዱስ መስቀል ከም ናይ ሕይወት ደረት ተመኵሮ ገይሩ ኢዩ ዝጥምቶ፣ ኣዚ ድማ ነቲ ብዙሕ ግዜ ዝረኣይ ሕሉፍ ተመራማርነትን ኣብ ምርምር ጥራሕ ንዝኣምን ባህሊ ዝሰግሮን ዝሓልፎን ኢዩ። ቅዱስ መስቀል ነቲ ናይ ዘመንና ሰብ ከም ሰብ ክነብር ዝተባብዕን ዝድርኾን ናይ መሥዋዕትን ዓወትን፣ ናይ ሞትን ትንሳኤን ክቡር ዋጋታት መግለጽን መረጋገጽን ኩነት ኢዩ። ብዙሓት ዘየግደስሉን ናይ ሃይማኖትን እምነትን ኩነት ኢዩ ቢሎም ክቕበልዎ ክነጽግዎን ናይ ሕሊና ነጻነት ጉዳይ ኢዩ፣ እንተኾነ ግን እዚ ንህዝቢ ኤውሮጳ ሕይወት ናይ መወከሲ ነጥቢ ዝኾነ ምእላይ ወይ ድማ ምውጋድ ግን ብዘይ መበቆልን መሠረትን ክተርፍ ምስግዳድ ማለት ኢዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።







All the contents on this site are copyrighted ©.