2010-07-01 16:46:07

ሮብዓዊ ትምህርተ ክርስቶስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ፡


ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በርነዲክቶስ ትማሊ እቲ ልሙድ ሮብዓዊ ትምህርተ ክርስቶስ አብ ቅርዓት ቅዱስ ጰጥሮስ ንምእመናን ሂቦም።

አብዚ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ትማሊ ንምእመናን ዝሀብዎ ሮብዓዊ ትምህርተ ክርስቶስ ነቲ አብ ዝሐለፈ ቀረባ ግዜ ዝተዛዘመ ዓመተ ካህን ዘኪሮም ንቤተክርስትያን ፍረ ክህብ ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም።

እቲ ትማሊ አብ ቅርዓት ቅዱስ ጰጥሮስ ንምእመናን ዝሀብዎ ትምህርተ ክርስቶስ ቅዱስ ዮሴፍ ካፋሶ ዝተባህለ ቅድሚ ሚእትን ሐምሳን ዓመታት ብ1860 ዝዓረፈ መንፈሳዊ አቦ ዘተኮረ ኔሩ።

እዚ አብ መበል ሺሕን ሸሞንተ ምእትን ዝነብር ዝነበረ ቅዱስ’ዚ ሐላዊ እሱራት ዝነበረ ካህናትን ቁምስናታትን ዝሀነጸ ቤት ትምህርቲ ሕይወትን ቅድስና ካህንን ዝሀነጸ ፍጹም መንፈሳዊ ከም ዝነበረን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፒዮስ መበል ዓሰርተ ሐደ ሥርዓተ ብፅዕና አብ ዝፈጸምሉ ግዜ ምስጢር ክህነት ዝሐለወ ሐቀኛ ምስሊ ካህን ዘንጸባርቅ ዓቢ መንፈሳዊ ብማለት ከም ዝገለጽዎ በነዲክቶስ አዘኻኺሮም።

ቀጺሎም ቅዱስ ዮሴፍ ካፋሶ ዝህቦ ዝነበረ ትምህርቲ አብቶም አብቲ ግዜ’ቲ ዝነበሩ መጻሕፍቲ ከይተሐጽረ ካብቲ ባዕሉ ዝነብሮ ዝነበረ መንፈሳዊ ሕይወት ዝነቀለ አብ ምሕረት እግዚአብሔር ዝተመርኮሰ ትምህርቲ ይህብ ከም ዝንበረ አረዲኦም።

ብዙሐት መንፈሳውያንን ቅዱሳንን ካህናት ካብ ቤት ትምህርቲ ቅዱስ ዮሴፍ ካፋሶ ከም ዝተረኽቡ ዘኪሮም ንወዲ ዓዱ ቅዱስ ዮሐንስ ቦስኮ ዘኪርም።

ቅዱስ ዮሴፍን ቅዱስ ዮሐንስ ቦስኮን አብ ሰሜናዊ ኢጣልያ አብ ክፍለ ሀገር ፒዮሞንተ አብ Castelnuovo d’Asti ቦታ ዝነብሩ ዝነበሩ ኢዮም።

መማህራን ሐዲሽ ወለዶ ንመንእሰያት አብነት ናይ ቅዱስ ዮሴፍ ካፋሶ ክኸተሉ ከም ዝግባእ ጠቂሶም ፡ ካብዚ ቅድሚ ሚእትን ሐምሳን ዓመታት ዝዓረፈ አብ መንግስተ ሰማያት ዝርከብ ቅዱስ እንቀስሞ ትምህርቲ እግዚአብሔር ካባና እንታይ ከም ዝደሊ ንምልላይ ንምፍላጥ ንምርዳእ መነፈሳዊ መራሒ ከም ዘድልየና ኢዩ ብማለት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አብቲ ትማሊ አብ ቅርዓት ቅዱስ ጰጥሮስ ንምእመናን ዝሀብዎ ትምህርተ ክርስቶስ አረዲኦም።

አብቲ እዚ ዓቢ መንፈሳዊ መራሒ ቅዱስ ዮሴፍ ካፋሶ ዝነብረሉ ዝነበረ ግዜ ቅድሚ ሚእትን ሐምሳን ዓመታት አብ ርእሰ ከተማ ቶሪኖ ብዙሐት እሱራት አብ ሕማቅ ኩነታት ይርከቡ ስለ ዝነበሩ ቅዱስ ካፋሶ ናታቶም ሐላፍነት ወሲዱ ለይትን መዓልትን መንፈሳውን ሰብአውን ረዲኤት ይህቦም ከም ዝነበረ ክአ አመልኪቶም።

አብ መወዳእታ ክአ ነቲ ትምህርቶም ክሰምዕ አብ ቅርዓት ቅዱስ ጰጥሮስ ተእከኢቡ ዝነበ ህዝበ ክርስትያን ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ሰላምታን ሐዋርያዊ ቡራኬን ሂቦም ተፈንዮሞ።








All the contents on this site are copyrighted ©.