2010-06-29 12:47:51

ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንሰያት 2011


እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን በቢ ዓመቱ ኣብ እተብዕሎ ዓለም ለኸ መደብ መዓልቲ መእሰያት ምኽንያት ነቲ ኣብ 2011 ዓ.ም. ኣብ ማድሪድ ንኽካየድ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዘተሓልለፍዎ ውሳኔ RealAudioMP3 መሠረት፣ ናይዚ መደብ ኣሰናድኢት ኮሚቴ ንመላእ መንሰያትን ናብዚ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንሰያት ዝዕድም ዝተቐርጸ ናይ ቪዲዮ መግለጺ ከምዘሕተመ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ኣብቲ ዝተቐርጸ ቪዲዮ፣ ኣብ ማድሪድ ዝቕመጡ መንሰያት ሜክሲኮን ፍረንሳን ኣይቮርይኮስትን ብራዚልን ኢጣሊያን ፖላንድ ዘሳተፈ ምዃኑ ናይዚ ኣብ ማድሪድ ካብ ዕለት 16 ነሓሰ ክሳብ ዕለት 21 ነሓሰ 2011 ዓ.ም ናይ ዝካየድ ዓለም ለኸ መዓልቲ መንእሰያት ናይ ሓበሬታን ሕዝባዊ ርክባትን ጉዳይ ሓላፊ ያጎ ደ ላ ሲየርቫ ገሊጾም፣ እቲ ዝተቐርጸ ናይ ቪዲዮ መልእኽቲ ኣብቲ ናይዚ ናይ ማድሪድ ዓለም ለኸ መዓልቲ መንእሰያት ሓፈሻዊ መርበብ ሓበሬታን ኣብ ካልኦት ናይ ኣቢያተ ክርስትያንን ምስ ዓለም ለኸ መዓልቲ መንሰያት ዝተሓባበራ ናይ ቁምስናታትን ሰበኻታትን ናይ ካቶሊክ ማኅበራትን መርበብ ሓበሬታ ከምዝተዘርግሔ ከም ዝሓበሩ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት እንከመልክት፣ ኣብቲ ዓለም ለኸ መዓልቲ መንእስያት ካብ 170 ሓገራት ዝተዋጽኡ ሓደ ሚሊዮን መንሰያት ክሳተፉ ኢዩም ዝብል ግምት ከምዘሎ ኣቲ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.