2010-06-29 12:49:18

ሸቶ ማኅበር ብኢንዳስትሪ ዝማዕበላ ሃገራት


ብኢንዳስትሪ ዝማዕበላ ሃገራት ኣብ ካናዳ ከተማ ቶሮንቶ ኣብ ዘካደኦ ጉባኤ፣ ናይ ኤኮኖሚ ዕብየት ንምምላስን ንምብጋስን ተኸሲቱ ዘሎ ክሳራ ክሳብ 2013 ዓ.ም. ኣብ ዘሎ ናይ ዓመታት ገደብ ብፍርቂ ንምትኽኻል፣ RealAudioMP3 ሥርዓትን ሥልቲ ቁጠባን ግልጽነት ዘለዎ መገዲ ዝኽተል ክኸውን ብሓፈሻኡ ሥርዓት ቁጠባ ምሕዳስ ዝብሉ ሸቶታት ኣብ ፍጻሜ ኣኼባ ኣብ ዘውጽኦ ናይ ሓባር ሰንሰድ ተመልኪቱ ኣሎ።

ኣብቲ ሰነድ እተን ሸሞንተ ብኢንዳስትሪ ዝማዕለባ ሃገራት ኣብ ድኻታት ሃገራት ንናይ ኣደነት ጉዳይ ንዝሓሊ መደብ ክንክን መካየዲ ዝኸውን ሓሙሽተ ሚሊያርድ ዶላር ከምዝመደባ ክንገረ እንከሎ፣ ብዙሓት ዘይመንግሥታውያን ናይ ግብረ ሰናይ ማኅበራት እቲ ዝተመደ ሃብቲ ገንዘብ እዅል ከምዘይኮነን፣ ብፍላይ ድማ ንድኻታት ሃገራት ምዕባለ ንምድጋፍ ብዝብል ዕላማ ብኢዳስትሪ ዝማዕበላ ሃገራት ዝሓንጸጸኦ ናይ ድጋፍ መደብ ነቲ ድኻታት ሃገራት ዝጠልበኦ ከይዲ ምዕባለ ዘይበቅዕ ኣዚዩ ውሑድ ኢዩ እክብላ ከምዝነቐፋኦ ተሓቢሩ።

ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ቶሪኖ ኣብ ዝርከብ መንበረ ጥበብ፣ ናይ ሥነ ኤኮኖሚ መምህር ናይ ኤኮኖሚ ሊቅ ፕሮፈሶር ማሪዮ ደኣሊዮ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበዎ ቃለ ምልልስ፣ ኣቲ ኣብ ቶሮንቶ ቅድም ጂ ዕስራ ቀጺሉ ጅ ሸሞንተ ብዝብል ጥርናፌ ዝተኻየደ ጉባኤ ኣዚዩ ፍልልይ ዝተራአየሉ እኳ እንተነበረ፣ እቲ ክልተ መድረኻት ናይ ሓባር ረቛሒ ክርከበሉ ናይ ግድን ኢዩ ኢሎም፣ ናይቲ ኣብ ዓለምና ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ቁጠባ ማእከላዊ ጸቕጢ ኣብ ኤውሮጳ ክነሱ ናብ እስያን ናብ ካልኦት ክፍሊ ዓለም ከምዝተንቀሳቀሰን፣ ኣምልኪቶም፣ ምእንቲ’ዚ እቲ ጉባኤ ናይተን ብኢንዳስትሪ ዝማዕበላ ሃገራት ንምዕራብ ዓለም ዘተኮረ ጥራሕ ዘይኮነስ ብሓፈሻኡ ንመላእ ዓለም ዝጠመተን ከምዝነበረ ድማ ገሊጾም፣ ናይ ቶሮንቶ ጉባኤ ዘጽደቖ ናይ ሓባር ውሳኔ ክመሓየሽ ዘለዎ ኢዩ ኢሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.