2010-06-29 18:46:18

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልኡካን ቤተክርስትያን ቤተ ክርስትያን ቁስጢንጢንያ ተቀቢሎም አዘራሪቦም


ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል ዓሰርተ ሽዱሽተ ትማሊ ምሸት ብዱሮ አውደ ዓመት ቅዱሳን ጰጥሮሰ ጳውሎስ አብ ካተድራል ቅዱስ ጳውሎስ ሥርዓት ጸሎተ ሰርክ ፈጺሞም።

ከምኡ ክአ ሎሚ ንግሆ አብ ባሲሊካ ቅዱስ ጰጥሮስ ብዙሐት ካርዲናላትን ጳጳሳትን ተሰንዮም በሽሐት ዝቁጸሩ ምእመናን አብ ዝተረኸብሉ ሥርዓተ ቅዳሴ ፈጺሞም።

ንሳላሳን ሸሞንተን ሐደስቲ ሊቀ ጳጳሳት ክአ ብጡጥ ዝተሰርሔ ቅዱስ መንጠሊና ወይ ክአ አክሚም ሂቦሞም ።

ሎሚ ዕስራን ትሽዓተን ሰነ አብ ዘለአለማዊት ተባሂላ ትጽዋዕ ከተማ ሮማ ዓንደ ሕቆ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዝኾኑ ቅዱሳን ጰጥሮስን ጳውሎስን ዓመታዊ በዓል ከም ዝኾነ ይዝከር ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ትማሊ ረፍዲ አብ ክብረ በዓል ቅዱሳን ጰጥሮሰ ወ ጳውሎስ ክስታፉ ዝመጹ ናይ ቁስጢንጢንያ ኦርቶዶክስ ቤተክርስትያን ልኡካን ተቀቢሎም አዘራሪቦም። እቶም ልኡካን ብናይ ሳሲና ሜትሮፖሊታን ጀናድዮስ ከም ዝተመርሑ አብ ቫቲካን ዝወጸ መግለጺ ሐበሬታ ሂቡ አሎ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ምስቶም ልኡካን ኦርቶዶክስ ቤተክርስትያን ቁስጢንጢንያ ምስተራኸቡ ከም ዘመልከትዎ ፡ ዘተን ርክብን ክልቲኤን አብያተ ክርስትያናት አዎንታዊ ውጽኢት ከስዕብ ዓቢ ተስፋ አሎ።

ቀጺሎም እቲ ዝመጻ ዘሎ ወርሒ ጥቅምቲ አብ ቫቲካን ካክየድ ተመዲቡ ዘሎ ሲኖንዶስ ጳጳሳት ማእከላይ ምብራቅ ምትሕብባር አባየተ ክርስትያናት ዘማእከለ ዘተ ከካይድ ብመደብ ተታሒዙ ከም ዘሎ አዘኻኺሮም።

አብ ዝሐለፈ ቀረባ ግዜ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ደሴት ቆጥሮስ አብ ዝበጽሕሉ ግዜ ጳጳሳት ማእከላይ ምብራቅ ኢንስትሮመንቱም ላቦሪስ ምግባረ ሰነድ ከም ዘረከብዎም ዝዝከር ኢዩ።

ብሐፈሻ አብ ማእከላይ ምብራቅ ዝነብር ህዝበ ክርስትያን አብ ሕማቅ ኩነታት ከም ዝርከብ ዘኪሮም ክአ አብቲ ክሊ ንጹር ነጻነት እምነትን ሰላምን ጐዲሉ ከም ዘሎ አመልኪቶም።

አብቲ አብ ጥቅምቲ አብ ቫቲካን ካከየድ ተመዲቡ ዘሎ ሲኖዶስ ጳጳሳት ማእከላይ ምብራቅ ናይ ቁስጢንጢንያ ልኡካን ኣአብቲ ሲኖዶስ ከም ዝርከቡ ዘኪሮም እዚ ምትሕብባር አብያተ ክርስትያናት አድላዪ ከም ዝኽነ ከም ዘመልክት ገሊጾም።

ምስ ማኅበረ ሰባት አስላምን እብራውያንን ምምይያጥ ከህሉ ክአ ከም ዘተሐሳሰቡ ተፈሊጡ አሎ ።

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ቀጺሎም ከም ዘመልከትዎ ፡ ሀገራት ሐቆፍ ናይ ንባበ መለኮት ናይ ሐባር ኮሚስዮን አብ ቀዳማይ ሚለንዩም ማኅበረ ሰብ ቤተክርስትያን ጊደ ጳጳስ ሮማ ብዚምልከት ይዝቲ ከም ዘሎ ዘኪሮም ፡ እዚ ወሳን

አድላዪን ዘተ ከም ዝኾነ ጠቂሶም ፡ እቲ ኮሚስዮን አብቲ አብ አውስትርያ አብ ርእሰ ከተማ ቪዪን ዘካይዶ ሐፈሻዊ አኬባ ብዛዕባ’ዚ ልዑላውነት ወኪል ቅዱስ ጰጥሮስ ብዚምልከት ዘካይዶ ጉባኤ ምዕባሌ ክህልዎ ተስፋ ከም ዘለዎም ከም ዝገለጹ ተፈሊጡ አሎ ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቲ አብ መንጎ ቅድስቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያንን አብ መንጎ ኦርቶዶክስ ቤተክርስትያንን ዝካየድ ዘሎ ዘተ አብ ጽቡቅ ኩነታት ከም ዝርከብ ጠቂሶም ክአ እግዚአብሔር ዝተመስገነ ይኹን ኢሎም ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ናይ ቁስጢንጢንያ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ፓትርያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ፓርቶሎመዮ ቀዳማይ ሐድነት ቤተክርስትያን ክርከብ ንዘካይድዎ ጻዕሪ ክአ አመሲጊኖም ።








All the contents on this site are copyrighted ©.