2010-06-26 12:58:40

ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ኣብ ቤልጂም


ኣብ ቤልጂም ናይ ብሩገ ሊቀ ጳጳስ ኮይኖም ዘገልግሉ ዝነበሩ ብፁዕ ኣቡነ ብሩገስ ሮዠር ቫንገሉወ በቲ ብሓደ ሓደ ኣባላት ውሉደ ክህነት ዝፈጸመዎ ናይ ወሲብ ዓመጽ ሳዕቤን ብፍቓዶምን ብውሳኔ ቅድስቲ መንበር RealAudioMP3 ናይ ኣገልግሎት ሓላፍነቶም ከመዘረከቡ ክንገር እንከሎ፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 እቶም ናይ ማሊነስን ብራስለስን ተሓባባሪ ሊቀ ጳጳስ ኮይኖም ዘገልግሉ ዘለዉ 63 ዓመት ዝዕድሜኦም ብፁዕ ኣቡነ ጆሴፍ ዴ ከሰል ናይ ብሩገ ሊቀ ጳጳስ ንኽኾኑ ከምዝሸሙዎም ናይ ቅድስቲ መንበር መገልጺ ይሕብር።

ኣብ ቤልጂም ናይ ቤት ፍርዲ መርማሪ ክፍሊ ሓይሊ ጸጥታ ነቲ ኣብታ ሃገር ብገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነት ዝተፈጸመ ናይ ወሲብ ዓመጽ ንምጽራይ ብዘካይዶ ዘሎ ናይ ምርመራ ተግባር ምኽንያት ቅድሚ ትማሊ ኣብ ናይ ብራሰልስ መንበረ ሊቀ ጳጳስ ናይ ቤልጂም ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ወርሓዊ ኣኼባ እናካየደ እንከሎ ብምእታው፣ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ዚርከብ ከም መቓብር ዘገልግል ክፍሊ ናይ ቤተ ክርስትያን ናይ ቤልጂም ውሉደ ክህነት ዝፈጸምዎ ናይ ወሲብ ዓመጽ ዝምልከቱን ብዛዕባ እዚ ጉዳይ’ዚ ሓበሬታ ክኸውን ዝኽእል ሰነድ ተሓቢኡ ኣሎ ብዝብል ጥርጠራ ምኽንያት ፍተሻ ከምዘካየደ ክንገር አእንከሎ፣ ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ እቶም ናይ ፍርዲ ቤት መርማሪ ሓይሊ ጸጥታ ኣባላት ኣብ ቤተ ክርስትያን ዘካይድዎ ተፍታሽ ዘደንጽውን ዘቖጥዕን ተግባር ኢዩ እንክብሉ ከምዝገለጾ እንክሕበር፣ እዚ መግለጺ’ዚ ናይ ቤልጂም ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ እውን ከምዘቓለሖ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ዝኾነ ይዅን ኣብ ልዕሊ ሕፃናት ብኣባላት ውሉደ ክህነት ዝፍጸም ናይ ሓጢኣትን ዓመጽን ተግባር ቤተ ክርስትያን ብዘይ ቅድመ ኵነት ብትረት ብምኹናን ፍትሒ ዘድልዮ ምዃኑን ብምግላጽ ኣብ ወንጌል ዝተማእከል ሕይወት ክጸንዕ ወትሩ ከምእተተሓሳስብ ክፍለጥ እንከሎ፣ ናይ ቤልጂም ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ መርማሪ ኣካል ኣብ ቤተ ክርስታን ዘካይዶ ናይ ፍተሻ ተግባር ብፍላይ ድማ ኣብቲ ትሕቲ ምድሪ ናይታ ካቴድራል ዝርከብ ናይ ነፍሰ ሄር ብፁዕ ካርዲናል ጆሴፍ ኤርነስት ቫን ሮይን ናይ ነፍሰ ሄር ብፁዕ ካርዲናል ለኦን ጆሴፍ ሱዌንስ መቓብር ዘካየዶ ፍተሻ ዝተጋነን ምኽንያት ዘይብሉ ውሳኔ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ዝሃቦ መግለጺ፣ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ጉዳይ ርክባት ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ዶሚኒክ ማምበርት ብወገኖም ኣብ ቅድስቲ መንበር ንናይ ቤልጂም ልኡከ መንግሥቲ ቻርለስ ጊስላን ከምዘቕረቡ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ናይ ቤልጂም ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ወሃቢ ቃል ብፁዕ ኣቡነ ኤሪክ ደ በኡከላኤር ብዛዕባ ናይ ብራሰልስ ቤት ፍርዲ መርማሪ ሓይሊ ጽጥታ ኣብ ናይ ማሊነስን ብራሰልስን ርእሰ ሰበኻ ቅድሚ ትማሊ ቅድሚ ቀትሪ ካብ ሰዓት ዓሰርተን ፈረቓን ክሳብ ምሸት ሰዓት ሸውዓተን ፈረቓን ዘካይዶ ተፈታሽ ብዝርዝር ጋዜጣዊ መግለጺ ከምዝሃቡሉ ክንገር እንከሎ፣ ናይ ቤልጂም ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ ናይ ሃገሮም ናይ ሕግን ፍትሕን ከይዲ እምነት ከምዘለዎም ቅድምን ሕጂ እውን ከምዝገለጹን ብፁዕ ኣቡነ ኤሪክ ዴ በውከላኤር ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣመልኪቶም።







All the contents on this site are copyrighted ©.