2010-06-26 13:01:42

ቅዱስ ምስሊ ቅዱስ መስቀል


ኣብ ኣባይቲ ትምህርቲ እቲ ቅዱስ ምስሊ ቅዱስ መስቀል ምስቃል ወይ ድማ ዘይምስቃል ኣብ ሃአኣት ኤውሮጳ ዓቢ ናይ ክትዕ ኣርእስቲ እናኾነ ይኸይድ ከምዘሎ እንክንገር፣ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ናይ ሰብኣዊ RealAudioMP3 መሰልን ፍቓድን ዝሓሊ ቤት ፍርዲ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣባይቲ ትምህርቲ ቅዱስ መስቀል ምስቃል ዝኽልክል ዘመሓላለፎ ቀዳማይ ውሳኔ፣ ኢጣሊያ በቐዳማይ ደረጃ ቀጺለን ድማ ናይ ኢጣልያ ሓሳብ ዝደገፋ ካልኦት 10 ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ዝሃበኦ መገልጺ መሠረት ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣባይቲ ትምህርቲ ቅዱስ መስቀል ምስቃል ዝኽልክል ናይቲ ቤት ፍርዲ ቀዳማይ ውሳኔ ዕለት 30 ሰነ 2010 ዓ.ም. ዳግም ክርኤን ውሳኔን ክወሃበሉ ምዃኑ ኣብ ግምት ብምእታው ናይ ክርስትያናዊ ሰብኣውነት ምንቅስቓስን ናይ ኢጣሊያ ናይ ባህሊ ጉዳይ ቤት ምኽሪ ብሓባር ዘነቓቕሕዎ ዓውደ መጽናዕቲ ከምእተኻየደ ይዝከር።

ኣብቲ ዝተኻየደ ዓውደ መጽናዕቲ ዝተሳተፉን ዘረባ ዘስምዑን ናይ ክርስትያናዊ ሰብኣውነት ምንቅስቃስ ሊቀ መንበር ክላውዲዮ ዙከሊ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበዎ ቃለ ምልልስ፣ ኣብ ናይ ሕዝቢ ባህልን መንነታዊ መለለዪን ዘይምሥረት ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ግቡእ ውሳኔ፣ ባዶ ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ግቡእን ውሳኔ ኢዩ ቢልካ ክትፈልጦን ክትገልጾ እውን ዘጸግምን ኢዩ ኢሎም።

ቅዱስ መስቀል ናይ ኢጣሊያ ባህላዊ መለለይን ኣመንትን ኢኣመንትን ዘይፈላሊይ ከምዝኾነን፣ ምእንቲ’ዚ ኣብ ኣባይቲ ትምህርቲ ኢጣሊያ ቅዱስ መስቀል ከይስቀል ምባል ናይ ኢጣሊያ ባህላውን መንነታዊ መለለዪ ምጥሓስ ወይ ድማ ዘይምኽባር ማለት ምዃኑን፣ እቲ ሓቂ ድማ ሓቀይና ሰብኣውነት ካብ ቅዱስ መስቀል ጥራሕ ዝምንጭ ምዃኑን፣ እዚ ካብ ቅዱስ መስቀል ዝምንጭ ሰብኣውነት ንናይ ግሪክ ፍልስፍናን ንናይ ሮማ ሥርዓተ ሕጊ መሠረት ከምዝኾነ እቲ ዓወደ መጽናዕቲ ብዑምቀት ከምዝተንተነ ይዝከር።

ናይ ዓለም ሓቆፍን ናይ ኤውሮጳ ኅብረት ናይ ሰብኣዊ መሰልን ግቡእን ፈላጥ ናይ ሥነ ሕጊ ሊቅ ፕሮፈሶር ጆሰፍ ዋይለር ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ምስሊ ቅዱስ መስቀል ናይ ባህሊ ምልክት ኢዩ ጥራሕ ቢልካ ምክታዕ እቲ ዘለዎ ሃይማኖታዊ ወይ ድማ እምነታዊ ትርጉሙ ምትሓት ማለት ኢዩ፣ ስለዚህ ኣብ ሓደ ኅብረተሰብ ናይ ኅብረኣውነትን ምክብባርን ምቅብባልን ባህሊ ምስፋሕን እዚ ባህሊ’ዚ ድማ ኣብ ሓድሽ ወለዶ ንኽሰርጽ ምንቃሕ ኢዩ፣ ስለዚህ መስቀል ምስቃል ወይ ድማ ዘይምስቃል ዘይኮነስ ናይ ምክብባርን ምቅብባልን ተጻዋርነትን ባህሊ ምምዕባል እዩ እቲ መሠረታዊ ዕላማ ክኸውን ዘለዎ ኢሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.