2010-06-21 19:03:36

ሮብዓዊ ትምህርቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ፡


 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ከምቲ ሮቡዕ ወትሩ ዝገብርዎ ነቲ ትማሊ አብ ቅርዓት ቅዱስ ጰጥሮስ ተአኪቡ ዝነበረ ህዝበ ክርስትያን ሮብዓዊ ትምህርቲ ሂቦም።

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ፡ መበል ዓሰርተ ሽዱሽተ እንድሕሪ ተፈጥሮአዊ ሕግታት እንተዘይተኸቢሮም፡ ሥነ ምግባራዊ ክብርታት ይጥሐሱ ሥነ ምልካዊ ሥርዓት ይመጽእ እሞ ነጻነት ናይ ወዲ ሰብ ነጻነት ዝተገደበ ይኸውን ኢሎም ጀሚሮም ። እእምሮ ወዲ ሰብ ሐቂ ክግንዘብ ተክእሎ አለዎ ።

ቀጺሎም ጉዳይ እምነተ ሃይማኖትን ሥነ ልቦናን አልዒሎም ምስሊ ናይቲ አብ ማእከላይ ዘመን ዝነብር ዝነበረ ሊቅ ቤተክርስትያን ቅዱስ ተኦማስ ዘአኪኖ ዘኪሮም ፡ አብ መንጎ እምነተ ሃይማኖትን ሥነ ልቦናን ዘሎ ፍልልይ ጠቂሶም ሰብአዊ ሳይንስን ንባበ መለኮታዊ ሳይንስን ርእሶም ዝክአሉ ከም ዝኾኑ አደንዚቦም ክአ ፡ አብ መንጎ’ዞም ክልተ ዝተፈላለዩ ርእሰ ጉዳያት ነንሕድሕዶም ከም ዝተሐጋገዙ አረዲኦም ።

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አብዚ ትማሊ አብ ቅርዓት ቅዱስ ጰጥሮስ ሮብዓዊ ትምህርቶም ክሰምዕ ተአኪቡ ዝነበረ አብዚ አብ ሮማ ዝነብርን ካብ ወጻኢ ሀገራት ዝመጸን ህዝበ ክርስትያን ምስሊ ቅዱስ ቶማስ ዘ አኪኖ ናይቲ ዝህብዎ ዝነበሩ ትምህርቲ ቀንዲ ምስክር ጌርም ከም ዝገለጹሉ ፡ ክርስትያናዊ ሐቅነት ብብስለት አእምሮ ወዲ ሰብ ተደጊፉ እምነተ ሃይማኖት ከም ዘጸንጸባርቅ አረዲኦም።

እምነተ ሃይማኖት ነቲ ዝተገልጸ ሐቂ ከም ዘንጸባርቅ ሥነ ልቦና ሰብ ባዕሉ ከም ዝረድኦ ጠቂሶም ፡ ንቅዱስ ቶማ ዘ አኪኖ ሊቅ ቤተ ክርስትያን ጠቂሶም ክአ እምነተ ሃይማኖትን ተክእሎ ምምርማርን ክልቲኦም ካብ ሐደ ናይ ሐቂ ምንጪ ዝወጹ ኢዮም እዚ ማለት ክአ ካብ ፈጣሬ ኩሉ እግዚአብሔርን ካብ መድህን ኢየሱስ ክርስቶስን ።

ወዲ ሰብ ለባው ፍጡር ስለ ዝኾነ ተመራሚሩ ክበጽሖ መርትዖ ዘለዎ ሐቂ ቀልጢፉ ወይ ደንጉዩ ክቅበል ይክእል ዝበሉ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል ዓሰርተ ሽዱሽተ እምነት አብቲ ቃል ስጋ ኮነ ዝብል ተመርኲሱ ግለጸተ እግዚአብሔር ይቅበል ስለ ዝኾነ ክአ አብ መንጎ’ዞም ክለተ ዓበይቲ ርእሰ ጉዳያት ፍልልይ የልቦን እንታይ ድአ ምትሕብባር ሕድሕድ እንተዘይኮይኑ ኢሎም።

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል ዓሰርተ ስድሽተ ጠቢብ ንባበ መለኮት ከም ዝኾኑ ክዝከር ከሎ ፡ አብዚ ትማሊ ነቲ አብ ቅርዓት ቅዱስ ጰጥሮስ ሮብዓዊ ትምህርቶም ዝሰምዕ ዝነበረ ህዝበ ክርስትያን ቀጺሎም ከም ዘመልክትሉ ፡

ሥነ ልቦና ሰብ ማለት ወዲ ሰብ ብአእምርኡ ተመራሚሩ ንዝረኸቦን ክረኽቦ ንዘለዎን ጉዳይ ተስፋ ቁሪጹ ምእንቲ ከይገድፎ እምነተ ሃይማኖት የበረታትዖ ጥራሕ ዘይኮነስ መሰረታውያን አድምሳዊ ፍልጠት ንኽድልብ ተስፋ ይህቦ ኢሎም ።

አእምሮ ሰብ ልዕሊ ፍጥረት ዝኾነ ርክብ ፈጠሬ ኩሉ ዓለም እግዚአብሔርን ሰብን ክፈልጥ አብ ዝመራመረሉ ግዜ ስርሑ ዝበለጸን ዝሰፍሔን ክኸውን ይክእል ኢሎም ።

ቀጺሎም ነቲ ሊቅን ፍልስፋን ቤተ ክርስትያን ንቅዱስ ቶምስ ዘ አኲኖ ጠቂሶም እምነት ጥራሕ አይኮነን ንኽእለት ምምርማር ዝሕግዝ እቲ ብጽሩይ አእምሮ ዝምርምር መሰረተ እምንትን ሓቅነት እምነትን ብጭቡጥ ከርኢ ብዘካይዶ መርመራ ከም ዝሕግዝ አመልኪቶም።

አተሐሒዞም ክአ ብሐፈሻ ታሪክ ሥነ መለኮታዊ ክርትና ሰፊሕ ዓሚቅ ናይ ፍጥረት ኩሉ ጽቡቅ ነገር ዘግህድ ንክፈልጥ ከቢድ ስራሕ ዝሐትት ከም ዝኾነ ክአ አረዲኦም ።

ክቡራትን ክቡራን ሰማዕትና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝህብዎ ሮብዓዊ ትምህርቲ አብ ሥነ መለኮት አብ ፍልስፍና አብ ትምህርቲ ቤተክርስትያን አብ ታራክ ዝተመርኮሰ ሰፊሕን ጥልቅን ትምህርቲ ከም ዝኾነ ዝዝከር ኢዩ ፡

 







All the contents on this site are copyrighted ©.