2010-06-15 13:45:27

ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ተኸታሊ ውሳኔ ኣብ ግብሪ ምውዓል


ናይ ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርታት ኅብረት ኣብ ሮማ ከካይዶ ዝቐነየ ዓመታዊ ኣኼባኡ ትማሊ ከምዝዛዘመ እንክንገር፣ እቲ ጉባኤ ኣብዚ እዋን እቲ ብዙሕ ዝበሃለሉ ዘሎ ሓደ ሓደ ኣባላት ውሉደ ክህነት RealAudioMP3 ዝፈጸመዎ ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣመልኪቶም፣ እዚ ዓቢይ ሽግር ንኽፍታሕ ኣብ መንጎ ካቶሊክ ኣቢያተ ክርስትያንን ከምኡ ድማ ካቶሊክ ኣቢያተ ክርስትያንን መንግሥታትን ምትሕብባር ኣገዳሶ ምዃኑ ብምምልካት፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስትያንን እዚ ዓቢይ ጸረ ሰብኣዊ ሽግር ንምፍታሕ፣ ናይ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ውሳኔ መሠረት ምዃኑ ብምግላጽ፣ ናይ ቅዱስነቶም ውሳኔ ምስዓብን ምትግባርን ወሳኒ ምዃኑ ከምዘመልከተ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

እዚ ምትሕብባር ኣቢያተ ክርስትያንን ቤተ ክርስትያንን መንግሥትን ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ክካይድ ዝቐነየ ናይ ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርታት ኅብረት ጉባኤ፣ ናይ ካቶሊክ ሥርወ እምነት ዝሓሊ ቅዱስ ማኅበር ብዛዕባ እቶም ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ናይ ወሲብ ዓመጽ ዝፈጸሙ ካህናትን ገዳማውያንን ብዝምልከት ናይ ቅዱስ ኣቦና ውሳኔ መሠረት ገይሩ ዘቕረቦ ሓበሬታን ዝሃቦ መረዳእታን እቲ ሽግር ንምፍታሕ መላእ ብፁዓን ጳጳሳት ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ተኸታሊ ውሳኔ ክትግበሩ ከምዘለዎም እቲ ጉባኤ ኣብ ዘውጽኦ ሰነድ ከምዘተሓሳሰበ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ይሕብር።

እቲ ናይቲ ጉባኤ ናይ ፍጻሜ ሰነድ፣ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ኤቶረ ባለስትረሮን ብዛዕባ ዓመት ክህነት ኣመልኪቶም ኣብ ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ እቲ ብዝሓለፈ ዓርቢ ዝተዛዘመ ዓመት ክህነት ብጸጋ ኣግዚብሔር ዕዉት ኔሩ ዝበልዎን እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያንን መራኸቢ ብዙሃንን ብዝብል ኣእርስቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜናን ክፍሊ ማኅተምን ሓላፊ ናይ ቫቲካን ረድዮ ዋና ኣመሓዳር ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርድን ናይ ኢጣሊያ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ወሃቢ ቃል ብፁዕ ኣቡነ ዶመኒኮ ፖምፒሊ ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ ቀንዲ መልእኽቱ ዝሰፈሮ ከምዝኾነ ናይ ቅድስቲ መንበር መገልጺ አመልኪቱ።







All the contents on this site are copyrighted ©.