2010-06-15 13:44:13

ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድ ክብርን ዘኽብር ፍሉይ ሕጊ


ኣብ ጄኒቭ ዝርከብ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ናይ ሰብኣውን መሰልን ጉዳይ ኣብ ዝሓሊ ቤት ጽሕፈት ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ብፁዕ አቡነ ሲልቫኖ ማሪያ ቶማሲ ናይ ሥራሕ ጉዳይ ዝሓሊ ዓለም RealAudioMP3 ሓቆፍ ማኅበር ኣብ ዘዳለዎ መበል 99 ክፋል ጉባኤ ተረኺቦም ብዛዕባ ናይ ቤት ሥራሕተይናታት ዘማእከለ ዘረባ ከምዘስምዑ ተገሊጹ።

ናይ ቤት ሠራሕተይናታት ናይ ሠራሕተይናታት መሰልን ፍቓድን ግቡእን ጉዳይ ካብ ዘመሓድር ብሔራዊ ሕጊ ወጻኢ ኮይኑ ብናይ ሠራሕተይናን ወሃቢ ሥራሕን ብዝፍጠር ናይ ሓባር ማለት ናይ ወሃቢ ሥራሕ ድላይ ጸብለል ዝብለሉ ውዕል መሠረት ዝመሓደር ብምዃኑ፣ እዞም ናይ ቤት ሠረሕተይናታት ክፍሊ ሕብረተሰብ ብዙሕ ጊዜ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ክብርን ተነፊግዎም ከምዝረኣዩን ከምዝሓበሩ ብዛዕባ እቲ ዘስምዕዎ ዘረባ ኣመልኪቶም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ኣመልኪቶም፣ ናይ ቤት ሠራሕተይናታት ብዙሕ ጊዜ ካብ ድኻታት ሃገራትን ካብ ገጠራትን ዝተሰዱ ብምዃኖም ናይ ቋንቋ ብሓፈሻዊ ዘለዎም ባህላዊ ሕንጸት ትሑት ብምዃኑ፣ ብዙሓት ወሃብቲ ቤት ሥራሕ ነዚ ተጠቂሞም ክምዝምዝዎም ከምዝረኣዩ እውን ሓቢሮም፣ ብዙሕ ጊዜ ንናይ ወሲብ ዓመጽ ተቓሊዖም ከምዝርከቡን፣ መሰል ግቡእ ደሞዝ ተነፊግዎም ከምዝረክቡ ነቲ ጉባኤ ከምዘረሓበሩ ገሊጾም። ኣብቲ ጉባኤ እቲ ናይ ሥራሕ ጉዳይ ዝከታተል ዓለም ሓቆፍ ማኅበር፣ እዚ ናይ ቤት ሠራሕተይናታት ጉዳይ ፍሉይ ኣርስቲ ገይሩ ኣኼባ ንኸካይድ መደብ ከምዝገበረ እውን ሓቢሮም፣ ንናይ ቤት ሠራሕተይናታት ጉዳይ ዝምልከት ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ግቡዕን ክብርን ውሑስ ዝገብር ዓለም ሓቆፍ መምርሒ ክህሉ ናይ ግድን ኢዩ ኢሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.