2010-06-15 13:42:44

ሰላም ዕርቅን ማኅበራዊ ፍትሕን


ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዝርከብ ኮንቨንትርይ መንበረ ጥበብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ፣ ናይ ኤውሮጳ ተመሃሮ መናብርተ ጥበብ ኣበ ነፍሳትን ኣመሓደርቲ ኣባይቲ ጸሎትን ካህናት፣ ሰላምን ዕርቅን ማኅበራዊ ፍትሕን RealAudioMP3 ብዝብል ኣርእስቲ ዝተሰነየ ዓውደ መጽናዕቲ የካይዱ ከምዘለዉ እንክሕበር፣ ኣብዚ ትማሊ ተጀሚሩ ክሳብ ዕለት 18 ሰነ 2010 ዓ.ም. ዝቕጽል ዓውደ መጽናዕቲ፣ ጳጳሳዊ ናይ ስደተይናታትን ገያሾን ሓዋርያዊ ሓልዮት ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ኣጎስቲኖ ማርኬቶ መልእኽቲ ከምዘተሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ይሕብር።

ብፁዕ ኣቡነ ማርኬቶ ኣብ ዘተሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ ነቲ ዘለናዮ ዓለም ብዝበለጸ ንምሕዳስ ናይ መንእሰይ ኣተሓሳስባን ልንብ ዘጠቓልል ቀልባዊ መንፈሳዊ ሰብኣዊ ሕንጸት መሠረት ኢዩ ቢሎም፣ ናይ እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን ሥልጣናዊ ትምህርቲ ውሑስን ነባሪ ሰላም ብማኅበራዊ ፍትሕን ዕርቅን ጥራሕ ዝረጋገጽ ምዃኑ ዘረድእ ሓሳብ ጠቒሶም፣ ኣብዚ እንነብረሉ ዘሎና ዘመን ድኽነት ንምውጋድ ዝግበር ጻዕሪ፣ ናይቲ ብዙሕ ግዜ ምግምማዕን ውጥረትን ዝፈጥር ተኸሲቱ ዘሎ ዓለማውነት ምትእስሳር ዝቕርቦ ዝተሓላለኸ ተርእዮ፣ ጥንቁቕ ምስትውዓል ዝገብር ክኸውን ኣለዎ ኢሎም። ስለዚ ድማ ዓለማውነት ምትእስሳር ድኽነት ንምውጋድን ናይቲ ብዙሕ ግዜ እዚ ሓድሽ ዓለማውነት ከይዲ ግምት ዘይህበሉ ፍትሕን ሰላምን ዝድግፍ ሰናይ ዕድል ክኸውን ነዚ ዘብቕዕ ብልሓት ከቕርብ ክኽእል ኣለዎ እንክብሉ ከምዘተሓሳሰቡ ተገሊጹ።

ስለዚ ዓለማውነት ምትእስሳር ውልቃውነት ዘይኮነስ፣ ናይ መላእ ማኅበርሰብ ዓለም ረብሓ ዝኣመተን፣ ኣብ መንጎ ዝማዕበላ ሃገራትን ድኻታት ሃገራትን ኣብ ሓንቲ ሃገር ውሽጥን ዓለማውነት ምድግጋፍ ዘተባብዕ ክኸውን ከምዘለዎ ኣረዲኦም፣ ዓለማውነት ምትእስሳር ይብሉ፣ ድኽነት ዘወግድ መታን ክኸውን፣ ናይ ገዛእ ርእሱ ዝኸኣለ ሥሉጥ ናይ ኤኮኖሚ ሕጊ ክህልዎን በዚ ሕጊ እዚ ክምራሕ ኢዩ ዘለዎ ምስ በሉ፣ ብፁዕነቶም ቀጺሎም ብጀካ ድኽነት እቲ ኣብ ዓለምና ዝርኤ ግብረ ሽበራ እውን ጠቒሶም፣ እዚ ሽግር’ዚ ንምብዳህ ሃገራት ዝገብርኦ ጻዕሪ፣ ምዝመዛን ጸገም ስደተይናታትን ክወግድ ብቕዓት ብዘለዎ ብኤኮኖሚያውን ናይ ዘተን ፖሊቲካውን መድረኽ ዘረጋግጽ ኣሠራርሓን ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ናይ ሓባር ዘተ ኣገዳሲ ምኻኑ ዝኣምን ክኸውን ኣለዎ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ይሕብር።








All the contents on this site are copyrighted ©.