2010-06-12 15:31:46

ዓመተ ካህን ተዛዚሙ ፡


ቅድስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል ዓሰርተ ሽዱሽተ ትማሊ አብ ቅርዓት ቅዱስ ጰጥሮስ ብዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዓመተ ካህን ተዛዚሙ ።ዓመተ ካህን ዝሐለፈ ዓመት ወርሒ ሰነ ዕለት ዓሰርተ ትሽዓተ ከም ዝተኸፍተ ዝዝከር ኢዩ ።

አብዚ ትማሊ አብ ቅርዓት ቅዱስ ጰጥሮስ ብምኽንያት ፍጻሜ ዓመተ ካህን ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ተመሪሑ ዝተኻየደ መሥዋዕተ ቅዳሴ ናይ ተስዓን ሸውዓተን ሀገራት ካህናት ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ሐቢሮም ቀዲሶም ።

አብዚ ብምኽንያት ፍጻሜ ዓመተ ካህን ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ተመሪሑ ዝተኻየደ መሥዋዕተ ቅዳሴ ብዙሐት ምእመናን ተሳትፎም ኔሮም ።

በነዲክቶስ መበል ዓሰርተ ሽዱሽተ አብ ዘስምዕዎ ስብከት ፡ ከሃሌ ኩሉ እግዚአብሔር ሰብ ድኹም ምኻኑ እናፈለጠ ብኡ ተወኪሉ ከም ዝሰርሕ ጠቂሶም ወዲ ሰብ ዓቅሚ ከም ዝህልዎ ጌሩ አገልግሎት ክህብ ስለ ዝወስነ ከም ዝኾነ ገሊጾም።

ቀጺሎም እግዚአብሔር አብ ጥቃና ምሳና ከም ዘሎ አመልኪቶም ድኻምነትና እናርአየን እናፈለጠን ንዝፈጠሮ ሰብ ከገልግሉ ንቤተክርስትያንን ንአባላታን ሐለፍነት ከም ዝሀበ አገንዚቦም።

መዓርገ ክህነት ዓቢ ክቡር ማንም ሰብ ክገብሮ ዘይክአል ምስጢራት ዘስርዕ ብክርስቶስ ፀጋ ዝተዐደለ ከም ዝኾነ ዘመልከቱ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዓመተ ካህን ምስጢረ ካህን ብታሕጓስ እናዘከርና ከለና ንክህነታዊ ክብሪ ንክህነታዊ ምስጢር ካብኡ ሐሊፉ ንእግዚአብሔር ዝጻረር ብገለ ካህናት አብ ልዕሊ ሕጽናት ዝተፈጸመ ፍትወተ ስጋ ንእግዚአብሔር ንቤተክርስትያንን አዝዩ ዘሕዘነ ፍጻሜ ከም ዝኾነ ጠቂሶም ፡ ንስሐ ጸሎት አስተንትኖ ከም ዘድሊ አረዲኦም።አብ ታሪኽ ቤተክርስትያን ጸረ ቤተ ክርስትያን ካብ ውሽጣ ከም ዝመጽእ ክአ አገንዚቦም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አብቲ ትማሊ ምዝዛም ዓመተ ካህን አብ ቅርዓት ቅዱስ ጰጥሮስ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዘስምዕዎ ስብከት ቀጺሎም ፡ ነቲ ዝተፈጸመ ዘሕፍር ተግባር ካብ እግዚአብሔርን ካብቶም ናይዚ አጸያፊ ተግባር ግዳያት ምሕረት ንለምን ኢሎም

እዚ ተግባር’ዚ እንደገና ከይፍጸም ቤተክርስትያን ኩሉ ዝክአላ ነገር ከም ትገብር ክአ ሐበሬታ ሂቦም።

ከምቲ ጓሳ ንመጓስኡ ካብ እንስሳታት ዘ ገዳም ብበትሪ ዝከላኸለለን ቤተ ክርስትያን ክአ ብበትሪ ጌራ ጸረ ንጸረ ቤተክርስትያን ንዝኾኑ መምሰልትን አሉታዊ ዝንባሌ ንዘለዎምን ክትከላኸል ከም ዘለዋ ጠቂሶም በትሪ ንአገልግሎት ፍቅሪ ክጠቅም ከም ዝኽእል አመልኪቶም።

አብ ዝሐለፈ ቀረባ ግዜ ቅድሚነዊሕ ዓመታት ቀረባ ግዜን አብ ዝትፈላለያ ሀገራት ውሑዳት ካህናት አብ ልዕሊ ሕጻናት አጸያፊ ተግባራት ስለ ዝፈጸሙ ክዝርበሉ ከም ዝወርሔን በዚ ክአ ቤተክርስትያንን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ሐዘን ከም ዝተሰምዖምን ካብ እግዚአብሔር ምሕረት ከም ዝለመኑን ዝዝከር ኢዩ።

አብቲ ህንጸተ ክህነት ዝካየደሎም ዘርአ ክህነታት ቅድሚ መዓርገ ክህንት ዘድሊ ሰብአውን ሥነ አእምሮአውን መጽናዕቲ ክካየድ ክአ እተሐሳሲቦም።

ካህን አሰር ኢየሱስ ክርስቶስ ክኸተል ከም ቅዱስ ዮሐንስ ማሪያ ቪያነይ ክቅደስ ነቲ ብሓዋርያዊ ጉስነት ዝመርሖ ማሕበረ ሰብ ክርስትያን ናብ እግዚአብሔ ክመርሒ መንገዲ ቅድስና ከርእዮን ከሳልዮን ስለ ዘለዎ ንጹህ ክኸውን ከም ዘለዎ ጠቂሶም ካህን ማንም ሰብ ከም ዘይኮነን ምስጢራት ኢየሱስ ክርስቶስ ዝሰርዕ ፍሉይ ምስጤረ ጸጋ ዝተዓደለ ከም ዝኾነ ክአ አገንዚቦም።

እግዚአብሔር ንብአምሳሉ ዝፈጠሮ ወዲ ሰብ ከም ዝርሕርሐሉ ንበይኑ ከም ዘይገድፎ አመልኪቶም ክአ ወዲ ሰብ ንዝገብሮ አበሳ ካብኡ ምሕረት ክሐትት ምእንቲ ከነጽህ ክንሳሕ ከም ዘለዎ አተሐሳሲቦም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ እቲ አብ ቅርዓት ቅዱስ ጰጥሮስ ዝመርሕዊ ሥርዓተ ቅዳሴ ምስተፈጸመ ነቶም አብቲ ቅርዓት መሥዋዕተ ቅዳሴ ዝተሳተፉ ዓሰርተ ሐሙሽተ ሺሕ ካህናትን ከምኡ ክአ ብዙሐት ምእመናንን ብሸውዓተ ዝየፈላለዩ ቋንቋታት ሰላም ኢሎም ንዕኦምን ነቶም አብ መላእ ዓለም ሓዋርያዊ አገልግሎት ዝህቡ ዘለዉ አርባዕተ ሚእቲ ሺሕ ካህናት ቡራኬ ሂቦም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ገለ ካብቶም አብ ቅርዓት ቅዱስ ጰጥሮስ ዝተሳተፉ ካህናት ምእመናን ተመሀርቲ ዘርአ ክህነት በቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ክህነታዊ ምስጢር አተኲሮም ዝገብርዎ ስብከት ከም ዝረወዩን በቲ ሐደ ሐደ ካህናት ዝፈጽምዎ ሐጢአትን ዘርአይዎ ድኻምን ከም ዝሐዘኑን፡ ካህናት ሕይወት ክርስቶስ ከም ከሕልፉ አስሩ ክኸተሉ ከም ዝግባእ ደቂ ክርስቶስ ምዃኖምን ገሊጾም ።

 







All the contents on this site are copyrighted ©.