2010-06-12 14:48:49

ኮንጎ፣ ተመዛበልቲ ዜጋታት


ካብ ዴሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ተመዛቢሎም ኣብ ረፓብሊክ ኮንጎ ዝርከቡ ዜጋታት ናብ ሃገሮም ንኽምለሱ ኣብ መንጎ መንሥቲ ኪንሻሳን ብራዛቪላን ናይ ሕቡራት መንግሥታት ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ጉዳይ RealAudioMP3 ዝሓሊ ላዕለዋይ ድርገት ስምምዕ ከምእተበጽሔ ተሓቢሩ።

ናይ መንግሥቲ ኪንሻሳ ከምዘመልክቶ 93 ሺሕ ቤቶምን ንብረቶምን ሓዲጎም ዝተመዛበሉ ናብ ሃገሮም ንኽምለሱ ፍቃደይናታት ከምዝኾኑ ክፍልፈጥ እንከሎ፣ ሕጂ እውን ከባቢ ኤኳቶር 70% ኣተኣማማኒ ከምዘይኮነን እዚ ድማ ንናይ ሰብኣዊ ረድኤት ኣቕርቦ ዓቢ ዕንቅፋት ኮይኑ ከምዘሎ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ናይ ሰብኣዊ ረድኤት ጉዳይ ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ዝሃቦ መግለጺ ዝጠቐሰ ሚስና ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ፣ ካብቶም ናብ ከባቢኦም ንኽምለሱ ፍቓደይናታት ዝኾኑ ኣብ ዝተኸስተ ግጭት ኢድ ዝነበሮም እውን እንተሃለዉ ምእንቲ ሰላም ናይቲ ከባቢ ምሕረት ክግበረሎምን ኣብታ ሃገር ናይ ሰላም ባህሊ ክሰፍሕ ምንቅስቓሳት ይግበር ከምዘሎ እቲ ናይ ዜና ኣገልግሎት የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.