2010-06-12 14:44:08

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፣ “ክህነት ሞያ ዘይኮነስ ናይ ፍቕሪ ምስክርነት ኢዩ”


ቅድሚ ትማሊ ንምኽንያት መዕጸዊ ዓመት ክህነት ዋዜማ ኣብ ኣደባባይ ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝቐረበ ቀዳማይ ጸሎተ ሠርክ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ከምዝመርሑ ክንገር እንከሎ ኣብዚ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ዝተዋጽኡ ልዕሊ 15 ሺሕ ዝግመቱ ካህናት ኣብ ዝተሳተፍሉ ጸሎተ ሠርክ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከትን RealAudioMP3 ካብ ካህናት ንዝቐረበሎም ሕቶ እንክምልሱን፣ ተልእኾ ክህነት ንዘመን ኣምጽኦ ዓይነተ ኣነባብራ ባርያ ከይኮንካ፣ ምስክርነት ፍቕሪ ክርስቶስ ምንባር ማለት ኢዩ ኢሎም፣ እዚ ድማ በቲ ምልክትን መግለጽን ሕላዌ እግዚኣብሔር ኣብ ዓለም ብዝኾነ ንጽሕናን ድንግልናን ዝንበር ምዃኑ ኣረዲኦም።

ገዛእ ርእሶም ከይበቐቝ ኵለንተናኦም ንዝተውሃቦም መጓሰይ ዘውፍዩ ትጉሃት ቅዱሳት ምሥጢራት ኣብ ምዕዳልን ወንጌል ኣብ ምስፋሕን ዝተጸምዱ ኣብነት ዝኾነ ቅዱሳት ቆሞሳት ዘኪሮም ምስጋና ከምዘቕረቡ እንክንገር፣ ክህነት ኣገልግሎት ግብረ ሰናይ ወይ ድማ ሞያ ኣይኮነን ኣብዚ ዝተሓላለኸ ዓለም እቲ ደረት ዘይብሉ ፍቕሪ ክርስቶስ ብሓጎስ ዝንበር ከም ቅዱስ ዮሓንስ ማሪያ ቪኣነይ ኢፍጽምነትን ውሱንነትካን ተኣሚንካ በቲ ዝጸዋዓካ ኃይሊ ተኣማሚንካ ንማኅበረ ክርስትያን ኣብነት ኮይንካ ዝንበር ኢዩ ኢሎም። ከምቲ ኣብ ወንጌል ማርቆስ እነንብቦ፣ ክርስቶስ ሓዋርያት ብዙሕ ደኺሞም ምስ ረኣዮም፣ ቍሩብ ከተዕርፉ ፍልይ ናብ ዝበለ ቦታ ንዑናይ ይብሎም፣ ምእንቲ’ዚ ድሕሪ ዘድክም ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ኣገልግሎትን ካህን ሰብ ምዃኑ ተኣሚኑ ከዕርፍ ከምዘለዎ ክርድኦ ኣለዎ።

እዚ እንነብረሉ ዘሎና እዋን ብድንግልናን ንጽሕንና ምንባር ዘይከኣል ኢዩ ዝብል ኣመለኻኽታን ዓይነት ኣነባብራ ዝረኣየሉን ዘይምምርዓው ኣርኣያዊ ኮይኑ ዝስበኸሉን ምኻኑ ኣረዲኦም፣ ዘይ ምምርዓው ማለት ንጽሕናን ድንግልናን ምምራጽ ማለት ኣይኮነን፣ ብዙሓት ኃላፍነት ዘይምድላይን ንገዛእ ርእስኻ ጥራሕ ንምንባርን ብምሕሳብን ንኣይነት ዘማእከለ ቃል ኪዳናዊ ናብራ ኣይፋለይን ካብ ዝብል ዓይነት ምርጫ ሕይወት ዝነብርዎ ዘይምምርዓው፣ ምስቲ ብንጽሕናን ብድንግልናን ናይ ምንባር ጸጋ ዝራኸብ ኣይኮነን። ክህነት ብዘይ ቅድመ ኩነት ልክዕ ከምቶም ሰብ ቃል ኪዳን ብምሥጢረ ተክሊል ሰብኣይን ሰበይትን ሓደ ዝኾኑ ክህነት ድማ ንመላእ ሕይወትካ ንዝንበር ጸዋዕታ ኢዩ ኢሎም።

ምስቲ ዓለም ክርእዮ ዘይደሊ ዕንቅፋት ማዕረ ማዕረ ናይ ገዛእ ርእሰና ሓቲኣት ዝፈጥሮ ዕንቅፋት ነቲ ዓቢይን ናይ ብሓቂ ዕንቅፋት ዝኾነ ከይለለ ዝግበር ዕንቅፋትት ኣሎ፣ እዚ ድማ ብድንግልና ምንባር ኢዩ። ብድንግልና ምንባር ንዓለም ዕንቅፋት ኢዩ፣ እንተኾነ ግን ድንግልና ናይ እምነት ምልክት ኢዩ፣ ምልክት ህላዌ እዚኣብሔር ኢዩ፣ ብዙሕ ተኣማንነት ድማ ኣሎ ምስ በሉ፣ ነቲ ደረት ሰገር ዝኾነ ልዑልነት ክብጻሕ ዝከኣል ኣይኮነን ቢሉ ዝኣምን ዘይብቑዕ ድዅም ተራትዖ ኣብ ክርአ ዚከእል ተረእዮታትን ጥራሕ ዝኣምን ኣዎንታዊ ጭብጥን ዝተመርኮሰ ፍልስፍና ተራትዖ፣ እቲ እውነተይና ተራትዖ ኣይኮነን፣ ስለዚ ንዅሎም ካህናት ኣብቲ መላእ ብፁዓን ጳጳሳት ምስ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ብዘለዎም ውህደት ዝግለጽ ናይ ቤተ ክርስትያን ሥልጣናዊ ትምህርቲ እማኔ ክህልዎም ኣተሓሳሲቦም፣ ካባና ብዘይ ናይቶም ብፍቕሪ ክርስቶስ ዝተቓጸሉ ዘቕርብዎ ኣእማኒ ኣብነት ቅዱሳት ካህናት ወለሓደ እኳ ካህን ኣምኾነን ምእንቲ’ዚ ካህን ዘበለ ኵሉ ኣእማኒ ኮይኑ ክርከብ ሓደራ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ይሕብር።








All the contents on this site are copyrighted ©.