2010-06-12 14:42:22

ምዝዛም ዓመት ክህነት፣ ምስክርነት ካህናት


ብውሳኔ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 መሠረት ካብ ዝሓለፈ ዓመት ዕለት 19 ሰነ ጀሚሩ ንሓደ ዓመት ኣብ እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን ብዝተፈላለዩ ናይ ጸሎትን ዓውደ መጽናዕትታትን ኣኼባታትን ተሰንዩ ክካይድ ድሕሪ ምጽናሕ፣ እነሆ ትማሊ ካብ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽኡ ልዕሊ 15 ሺሕ ዝግመቱ ካህናት RealAudioMP3 ዝተሳተፍሉ ኣብ ቅዱስ ጴጥሮስ ቅዱስ ኣቦና ብዝሰርዕዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ሓፈሻዊ መዕጸዊ ዓመት ክህነት ከምእተፈጸመ ናይ ቅድቲ መንበር መግለጺ ይሕብር።

ኣብዚ ዓቢይ በዓል መዕጸዊ ዓመት ክህነት ዝተሳተፉ ካህናት፣ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ምስክርነት ክህነታዊ ጸዋዕታኦም ከምዝሃቡን፣ ክህነት ማኅበር ሓዋርያ ክርስቶስ ምዃን ዘረጋገጽ፣ መሠረት ናይዚ ጸዋዕታ እግዚኣብሔር ምዃኑን ንእየሱስ ዘሎካ ፍቅሪ እትገልጸሉ ናይ ሕይወት ምርጫ ምዃኑ ካብ መክሲኮ ዝመጹ ካህን ኣባ ፍራንቸስኮ ገሊጾም። ካብ ፈረንሳ ዝመጹ ካህን ኣባ ኤንሪኮ፣ ዓመት ክህነት ውበት ጸዋዕታ ክህነት፣ ብዘይ ቅድመ ኵነት ኵለንተናኻ ንክርስቶስ ኣብ ምውፋይ ከምዝኾነ ብዕምቆት ዳግም ዝተኣመነሉን፣ ንምእመናን ዝተቓልሓሉ ዓመት ምዃኑ ኣመልኪቶም፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ሓቀይና መንነት ክህነት ንምልላይን ብክርስቶስ ክምእተፈቐርካ ምግንዛብን ምእንቲ ሕዝበ እግዚኣብሔር እትዋፈረሉ መንግሥቲ ኣምላኽን እተበሥረሉ ምእንቲ ውጹዓትን ድኻታትን ደው እትብለሉ ኣብ ቤተ ክርስትያን ምስ ቤተ ክርስትያን ሓቢርካ እተገልግለሉ ምርጫ ሕይወት ኢዩ ኢሎም።

ኣብዚ ዓቢይ ምዕጸዊ ዓመት ክህነት ብጀካ ካህናት ዓለማውያን ምእመናንን ወለዲ ካህናትን እውን ከምእተሳተፉ እንክፍለጥ፣ ዓመት ክህነት ዓመት ምእመናንን ወለዲ ካህናትን እውን ከምዝነበረ ካብቶም ወለድን ዓለማውያን ምእመናን ዝተውሃበ ምስክርነት የረጋገጽ።







All the contents on this site are copyrighted ©.