2010-06-08 15:50:26

አልጀሪያ፣ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን


ኣብ ኣልጀሪያ ናይ ኦራኖ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኣልፎንሰ ጆርጆር ኣብታ ናይ ሰበኻኦም ለ ሊየን እተሰመየት ኣብ ሰሰለስተ ወርሒ እትሕተም መጽሔት፣ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን እትነብሮ ዘላ ኅልው ኩነታትን RealAudioMP3 ዘጋጥማ ዘሎ ሽግራትን ብዝምልከት ሰፊሕ መግለጺ ከምዘቕረቡ ተሓቢሩ።

ብፁዕ ኣቡነ ጆርጀር ቤተ ክርስትያን ከምቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝብሎ ቅድስትን ሓጥያተይናን ምዃና ጠቒሶም፣ ኣብ ዝሓለፉ 2ሺሕ ዓመታት ብዓበይቲ ማዕበላት እውን ተናዊጻ ኢያ፣ እንተኾን ግን ነዚ ዅሉ ሰጊራ ፍቕሪ እግዚኣብሔርን በቲ ኣብኣ ብዝነብር እግዚኣብሔር ቅዱስ መንፈስ ጸጋ ክዅላዕ ዝገበረትን ሕጂ እውን ትፍጽሞ ከምዘላ ገሊጾም ሓይላ ሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ኢዩ ኢሎም።

ኢየሱስ ብስቓይን መከራን ኣብ ዝሓለፈሉ ዓለም ደቀ መዛምርቱ እውን ንበይኑ ዝሓደግሉ እዋን ኣሕሊፉን በይኑ ዝተረፈሉ እዋን እውን ከምዝነበረን ጠቒሶም፣ ብመንፈስ ቅዱስ ተሰንዩ ተስፋ እናነበረ ተስፋ ዝመስከረ ኢዩ፣ ቤተ ክርስትያን ናይ መሥራቲኣ ሕይወት ተሳታፊት ኢያ ኢሎም፣ ኣብ ዝኾነ ዓይነት ኵነት ሕይወት ኣብ ተስፋ ከምእትዓብን ብናይ ደቃ ሓጢኣት እውን እተንተሳቐየት ደቃ ንቕድስና ከማዕድዉ እናመሃረት ተልእኾ ጎይታና ክርስቶስ ኢያ እትፍጽም ከምዝበሉ ተሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.