Home Archivio
2010-06-08 15:55:21
ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ተዓዛቢ ማኅበር
ብዝተፈላለዩ ጸገማት ናብ ኤውሮጳ ዝስደዱ ትሕቲ ዕድመ ጉዳይ ብዝምልከት ናይ ኅብርት ኤውሮጳ ናይ ፍትሕን ውሽጣዊ ጉዳይ ቤት ምኽሪ ብዛዕባ ትሕቲ ዕድመ ስደተይናታት ዝምልከት ዘውጽኦ መምርሒ
ናይቶም ትሕቲ ዕድመ ስደተይናታት ናብ ሓገሮም ንምምላስ እምበር ነቲ ንስደት ዝደረኾም መምዩ ሰብኣዊ መሰሎምን ፍቓዶምን ውሑስ ኽከውን ኣብ ዝብል ቅዉም ነገር ዘማእከለ ከምዘይኮነ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ዓለም ሓቆፍ ተዓዛቢ ማኅበር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ። ናይዚ ማኅበር ኣባል ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ሊቅ ሲሞነ ትሮለር፣ ናይቶም ስደተይናታት ትሕቲ ዕድመ ረብሓ ኢዩ ክቕድም ዘለዎ ቢሎም፣ ናይ ዝኾነ ይዅን ሃገር ናይ ስደተይናታት ጉዳይ ብዝምልከት ንዝኽተሎ መምርሒ መሠረት ናይ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ውሳኔ ክኸውን ኣለዎ ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።
All the contents on this site are copyrighted ©.