2010-06-08 15:47:35

ተበግሶ መበል 100 ዓመት ናይ ኣቢያተ ርክስትያን ናይ ሓበር ዘተ


ኣብ ስኮትላንድ ርእሰ ከተማ ኤዲምቡርግ ቅድሚ 100 ዓመት ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስትያን ናይ ሓባር ዘተ ከምዝተጀመረ ክዝከር እንከሎ፣ ናይዚ ናይ ሓባር ዘተ ተበግሶ መበል 100 ብሓባር RealAudioMP3 ንምብዓል ልዕሊ 300 ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስትያን መንፈሳውያን ምራሕትን ልኡኻትን ዝተሳተፍሉ ንሓደ ሰሙን ክካየድ ዝቐነየ ጉባኤ ቅድሚ ትማሊ ከምእተፈጸመ ተሓቢሩ።

እቶም ተጋብእያን ኣብዚ ዘለናዮ ዘመን ኣስፍሆተ ወንጌል ብኸመይ ምክያድ ኣብ ዝብል ሓቶ ዘማእከለ ዘተ ድሕሪ ምክያድ፣ እቲ ጉባኤ ኵለን ኣቢያተ ክርስትያን ዘሳተፈ ናይ ሓባር ሥርዓት ቅዳሴ ማለት ሥርዓት ቃል ኣምላኽን ጸሎትን ብምዕራግ ክምእተፈጸመ እንክግለጽ፣ ኣብቲ ናይ ጸሎት መደብ ናይ ኵለን ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስትያን መንፈሳዊ መራሕትን ልኡኻንን ኣብ ናይ እግዚኣብሔር ናይ ፍቕሪ መደብ ብምስታፍ ክርስቶስ ምምስካር ብዝብል ኣርእስቲ እቲ ክርስቶስ ዝደለዮን ዝጸለየሉን ሓድነት ክረጋገጽ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ተሓቢሩ።

ኣብቲ ጉባኤ ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ልኡኻት ዝመርሑ ናይ ክርስትያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ አቡነ ብሪያን ፋረል ምዃኖም ክንገር እንከሎ፣ ብፁዕነቶም ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ንመበል 100 ዓመት ተበግሶ ናይ ዝተፍላለያ ኣቢያተ ክርስትያን ናይ ሓባር ዘተ ምኽንያት ንተግባእያን ዘተሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዘስምዑ ተገሉጹ።







All the contents on this site are copyrighted ©.