2010-06-08 15:42:40

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፣ ሰላምን ሃብቲ ጸጋን


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ካብ ዕለት 4 ሰነ ክሳብ ዕለት 6 ሰነ 2010 ዓ.ም. ኣብ ቆጵሮስ ዘካይድዎ ዕዉት ሓዋርያዊ ምብጻሕ ፈጺሞም ናብ ቫቲካን እንክምለሱ፣ ሕዝቢ ቆጵሮስ ነዘቕረበሎም ምዉቕ ኣቀባብላን ኣኽብሮትን ከምዘመስገኑ ተገሊጹ። ቅዱስነቶም ናብ ናይ ቆጵሮስ ሬፓብሊክ ርእሰ ብሔር ዴመትሪስ RealAudioMP3 ክሪስቶፊያስ ኣብ ዘተሓላለፍዎ ናይ ቴለግራም መልእኽቲ፣ ንሕዝብን መንግሥትን ቆጵሮስ እግዚኣብሔር ኣብ መገዲ ብልጽግናን ሰላምን መታን ክመርሕ ከምዝጽልዩ ብምርግጋጽ፣ ናብ ናይ ግሪክ መንግሥቲ ርእሰ ብሔር ካርሎስ ፓፑሊያስ ኣብ ዘተሓላለፍዎ ናይ ቴለግራም መልእኽቲ እውን፣ ኣብዛ ሃገር ህድኣትን ሃብቲ ጸጋን ዝተዓደለ መጻኢ ክረጋገጽ ወትሩ ክጽልዩ ምዃኖም ከምዘርረጋገጹን፣ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።

ኣብ መወዳእታ ናብ ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ጆርጆ ናፖሊታኖ ኣብ ዘተሓላለፍዎ ናይ ቴለግራም መልእኽቲ ኣብ ቆጵሮስ ዘካይደዎ ሓዋርያዊ ምጻሕ ካብ ማእከላይ ምሥራቕ ምስ ዝመጹ ብፁዓን ጳጳሳት እውን ከምእተራኸቡን፣ እቲ ሓዋርያዊ ዑደት ዕውት ምንባሩ ገሊጾም ንሃገረ ኢጣሊያ ብልጽግና ከምእተመነዩ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ብምምልካት፣ ናይ ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ጆርጆ ናፖሊታኖ ናብ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘተሓላለፍዎ ናይ ቴሌግራም መልሲ፣ ኅብረተሰብ ኣብቶም ሕዝቢ ኢጣሊያ እውን ዝኣመነሎምን ኣፍልጦ ዝሀበሎም ኵላውያን ናይ ሕይወት ክብርታት ከማዕድው ቅዱስ ኣቦና ነዘቕረብዎ ጻውዒት ብፍላይ ብምጥቃስ ከምዝነኣዱ መግለጺ ቅዱስ መንበር ይሕብር።








All the contents on this site are copyrighted ©.