2010-06-08 15:52:48

ህንዲ፣ ውሳኔ ቤት ፍርዲ


ኣብ ህንዲ ከተማ ብሆፓል ዕለት 3 ታሕሳስ 1984 ዓ.ም. እቲ ኣብ ዓለም ዝዓበየ ናይ ኢንዱስትሪ ሓደጋ ተባሂሉ ዝነገረሉ፣ ባርዕ ልዕሊ 40 ቶን ሕውስዋስ ጋዝ ን3 ሽሕን 5 ሚእትን ሰባት ንሞት ሓደጋ RealAudioMP3 ከምዘቃልዔ እንክዝከር፣ ብጠንቂ እቲ ናይ ባርዕ ሓደጋ ብዝወረደ ናይ ከባቢ ኣየር ብከላ ምኽንያት ድማ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት 25 ሺሕ ሰባት ናይ ሞት ሕደጋ ከምዘጋጠሞም እንክንገር፣ ነዚ ጉዳይ ዝከታተል ቤት ፍርዲ እነሆ ድሕሪ 25 ዓመት ውሳኔ ከምዝሃበሉ ተሓቢሩ። ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቶም ጳጳሳዊ ሓዋርያዊ ናይ ግብረ ተልእኮ ማኅበር ኣባል ኣብ ሕንዲ ዘገልግሉ ዘለዉ ኣባ ካርሎ ቶሪያኒ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ብዙሕ ደንጉይ ዝተወሃበ ፍርዲ እውን እንተኾነ፣ ነቶም በቲ ናይ ባርዕ ሓደጋ ዝተጠቕዑን ዝተሳቐዩን ግብረ ገባዊ ርውየት ኢዩ፣ ነቶም ግዳይ ዝኾኑን መጉዳእቲ ዝወረዶም ዜጋታት ምስቲ ዝወረዶም ሓደጋ ዝተመዓራረይ ካሕሳ ገና ኣይተኸፍለን፣ እዚ ናይ ቤት ፍርዲ ናይ ፍትሒ ውሳኔ ንክብጻሕ ሕዝብን መንግሥቲ ህንድን ከይተሓለሉ ከምዝጸዓሩ ድማ ገሊጾም፣ ሕጂ እውን እንተኾነ ኣብታ ሃገር ኅዳሴ ዘድልዮምን ብጠቕላላ ካብ ጥቅሚ መጻኢ ዝኾኑ ብዙሓት እንዳስትሪ ከምዘለዉ ሓቢሮም ተመሳሳሊ ሓደጋ ከይክሰት መደብ ዳግመ ኅዳሴ ኢንዱስትሪ ኣገዳሲ ኢዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.