2010-06-06 12:44:39

ዘጰራቅሊጦስ 2010 (ግንቦት 15 2002 ዓ.ም.)


ንባባት፡ ሮሜ 8፡8~17፥ 1ጴጥ 1፡1~5፥ ግ.ሓ. 2፡1~11፥ ዮሓ. 20፡19~23
ስብከት፡ ወመንፈስከ ቅዱስ ኢታውጽእ እም ላዕሌየ እስየኒ ፍሥሓ ወአድኅኖትከ ወበመንፈስ ዓዚዝ አጽንዓኒ።

መዝሙር፡ “ኢየሱስ ናብኦም አተወ ዘኻትም ገረ አይክሓድገኩምን እየ ወትሩ ምሳኻትኩም ክነብር ነቲ ዓለም ክጾሮ ዘይክእል መንፈስ ቅዱስ ክሰደልኩም እየ”።

ሎሚ ሕሩይ ዕለት በዓል ጰራቅሊጦስ እዩ። መንፈስ ቅዱስ አብ ልዕሊ ሓዋርያት ዝወረደሉ ዕለት፥ ቤተክርስትያን ዝተወልደትሉ ዕለት ነፍስወከፍና ብፍሉይ ንመንፈስ ቅዱስ ሕይወትና ክንከፍት ዕድል ዝህብ ዕለት እዩ። ዘመን ጰራቅሊጦስ 5 ሰናብቲ ዝሓዘ እዩ። ካብ ዝትንሥእ ሓምሳ ካብ ዝዓርግ ዐሰርተ መዓልቲ ምስ ሓለፈ ሓዋርያት አብ ጽርሓ ጽዮን ብጾምን ብጸሎትን ተአኪቦም ከለዉ መንፈስ ቅዱስ አብ ርእሲ ማሕበር ብአምሳል ልሳን ሓዊ አብ ልዕሊ ነፍሲ ወከፎም ወረደ። መንፈስ ቅዱስ ምስተቐበሉ ሓዲስ መንፈስን እምነትን ለበሱ እሞ አብ ኩሉ ክሰብከዎ ጀመሩ። ኩልና አመንቲ አብ ዝተፈላለየ እዋን መንፈስ ቅዱስ ተቐቢልና ብፍላይ ምስጢራት ክንቅበል ከሎና፥ “መንፈስ ቅዱስ ተቐበል” ዝብላ ቃላት ሰራዒ ምስጢራት ተባሂልናና እየን። ሎሚ ነዚ ዝተቐበልናዮ መንፈስ ቅዱስ ክንሕድሶ ምስኡ ዘሎና ርክብ ክንሕድሶ ዕድል ዝኸፍተልና ፍሉይ ዕለት እዩ።

ቅድሚ ምቕባል መንፈስ ቅዱስ ሓዋርያት አብ ዕጹውን ዝተሸጎረ ቤት አብ ጽርሓ ጽዮን አብታ ቅዱስ ቍርባን ዝሰርዓላ ቤት ብፍራሃት ተበሊዖም ብሓንሳብ ኮይኖም ይጸልዩ ከምዝነብሩ ግ.ሓ. ይነግረና። አብ ብርቱዕ ፍርሓትን ስግአትን ነበሩ ከምቲ ንመምህሮም ዝገጠሞ ከይግጥሞም ፈሪሖም። ዝሰምዕዎ ድምጺ መጽኡና ጠፋእና፥ሕጅዶ ድሓር ማዕጾ ይዅሕኳሕ እናበሉ ብተስፋ ቍርጸት ይጽበዩ ነበሩ። ጸላእቶም ንዘለውዎ ቦታ ከይረኽብዎም ይጸልዩ ነበሩ፥ ዓለም አብቲ ተሓቢኦምሉ ዘለዉ ክትሓድጎም እዩ ነሩ እቲ ትጽቢቶም። ኩሉ ሓርቢትዎም ተስፍኦም አብ ጽልግልግ ዝበለ ኩነት እዩ ነሩ። መንፈስ ቅዱስ ነዚ ኩነታት ክቕይረሎም መጺኡ።

መንፈስ ቅዱስ ግን ከምቲ ሰባት ዝሓስብዎ ዕጹው ማዕጾ ወይ ዕጹው ልቢ ዝኽልክሎ ናይ ሰባት ነገራት ዝኽልክሎ አይኮነን፥ንሱ በቲ ሰባት ዝፈጥርዎ መኸላእታታት ዝዕገት አይኮነን። መንፈስ ከመጽእ ንእከሎ ከም ሓደ ሕቡእ ኮይኑ አይኮነነ ዝመጽእ። ንሱ ከም ሃቦብላ ንኹሉ ለጥ ዘብል እዩ። መንፈስ ቅዱስ ነዞም ተስፋ ቆሪጾም ዘለዉ ብሓዲስ መንፈስ ብሓዲስ ሓይልን ስልጣንን የተንስኦም። ኩሉ ኩነታቶም ቀይርሎም።

ኩልና አብ ሕይወትና ሓደ ሓባራዊ ነገር አሎና ንፈርሕ። አብ ሕልናና አብ ሕይወትና ዘይርጉእ ነገራት ኩሉ ጊዜ አሎ ንጠራጠር ገለ ጎዲሉና ከም ዘሎ ይስምዓና። ናይ ሎሚ ወንጌል ነዚ ዝሳቕየና ነገራት ከመይ ገርና ካብኡ ክንወጽእ ከም እንኽእል ይሕብረና። ካብ ኩሉ ስቓይ ከውጽአና ዝኽእል ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራሕ እዩ። ንሓዋርያት ሰላም ምስኩልኹም ይኹን እናበለ ሰላሙን ቅሳነት ሕልናንን ክለብሱ እሞ ንሓዲስ ተልእኮ ክወፍሩ ሓዲስ ንወትሩ ምስኦም ዝነብር ዘጸናንዖም፥ ዝምህሮም፥ ዝሕግዞም ኩሉ ኪገብሩ ዘኽሎም ሕይሊ ካብ ሰማይ ሂብዎም። መንፈስ ቅዱስ ንዘለናዮ ሕይወትን ኩነታትን ርኢና ክንክእል እሞ ናብኡ ክንምለስ ይደልየና። አምላኽ ዝረሓቖ ሕይወት ይአኽለኒ ውጽኢቱ ርእየዮ ክንብል እሞ ክንሕደስ እንሓስበሉ መዓልቲ እዩ ሎሚ። ንኽልወጥ ስንድው እየ መንፈስ ቅዱስ አብ ልበይ እቶ ንበሎ።

አብ ናይ ነፍስወከፍ ሕይወትና ብሕቱው ፍልይ ዝበለ ቦታ ክንረክብ አሎና። ንኹሉ ብዝተፈላለየ መንገዲ ዝሳቕየና ነገራት አብ ሓጎስ አብ ቅሳነት ክንልውጦ ፍሉይ ቦታ የድልየና። እዚ ብሕቱው ቦታ እንብሎ ነቲ አብ ወንጌል እንረኽቦ መምርሕን መንግድን ክነለሊ ንግዚኡ ናይ በይንና ቦታ ምስ አምላኽ ጥራሕ ክንዛረብን ክንውስንን ዝሕግዘና ክኸውን ይግባእ። ሽዑ ዕላል ምስ አምላኽና ክንጀምር ኢና አስተንትኖን ተሓድሶን ካብቲ ምስ አምላኽ ምስ ተራኸብና እንገብሮ ዘተ ክውለድ እዩ። መንፈስ ክርስቶስ ምስ ተቐበልና ካብኡ ንድሓር ንአገልግሎት ባዕሉ ክሕብረና እዩ። ሓዋርያት ነዚ አብ ጸርሓ ጽዮን ተመኪሮምሉ እዮም።

መንፈስ ቅዱስ ምስ ተቐበሉ ንኻልኦት ክፉታት ኮይኖም። ንአይ ዝብል መንፈስ ሓዲጎም ንኻልኦት አብቲ ንሶም ዝአመንዎ ክመልሱ ወፊሮም። ኩሎም አብ ኩሉ ወፊሮም። አብ ዕዳጋን አብ ኩሉ ሰብ ዝእከቦ ሰገጥ ከይበሉ ሰቢኾም እዚ ኹሉ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ እዮም ረኺቦሞ። እግዚአብሔር ብአኦም ከመይ ገሩ ከም ዝሰርሕ አርእዮም። አብ መጀመርታ ዝርአይዎም ጉዖሽ ስዋ ዝሰተዩ ኮይኖም ተራእዮሞም ምኽንያቱ ሰባት ክርድእዎም ክቕበልዎም እውን መንፈስ ቅዱስ ክሕግዞም አለዎም። አብ ኩሎም አመንቲ ዝተራእየ ናይ ቅጽበት ለውጢ አብ ኩሉ ነገሮም እዩ። ናይ ኩሉ ዝገብርዎ ዝነበሩ ምንጪ መንፈስ ቅዱስ እዩ። አብ ሕይወቶም አብ ርክባቶም ሰባት ናይ ክርስቶስ ብመንፈስ ቅዱስ ከምዝምርሑ አርእዮም፥ ሰባት ተፋቐርቲ ንዝአምንዎ አብ ግብሪ ዘውዕሉ እናበሉ ክምስክርዎም ተረኺቦም ሎሚ እዚ መንፈስ ንቤተክርስትያና የድልያ አሎ።

መንፈስ ቅዱስ አብ ብሓንሳብ ዝጽልዩ አብ ኩሉ ሰሚሮም ዝጉዓዙ አብ መንግኦም አሎ። መንፈስ ቅዱስ ሓደ ካብቲ ቀንዲ ጸጋታቱ ፍቕሪ እዩ፥ ኩሎም አብ መአዲ ፍቕሪ ተጸሚዶም ንብዙሓት አብ ክርስቶስ ከም ዝአምኑ ገሮሞም። መንፈስ ቅዱስ ምስ መርሖም ኩሉ ይሰልጦም ነሩ። አብ መንፈስ ሕሽኽ ዝብሎም ምስ ሰዓቡ ንኹሉ ወላ እውን ንግዚኡ ዘይክአል ይምሰል ይዕወቱ ነሮም። ሎሚ ንሕና ነዚ ቅዱስ ብዓል ክነብዕል ከሎና ብመንፈስ አብ ሓደ መአዲ ክርስቶስ ተጸሚድና ነቲ አምላኽ ካባና ዝደልዮ ክንርኢ ክንሰምዕ ሽዑ ጽኑዓት ክርስትያን ኮና እሙናት ሰበኽቲ ወንጌል ክንከውን። ሎሚ እምብአር ንመንፈስ ቅዱስ ክንልምኖ ስምዓና ንኩሉ እንኸዶ ጉዕዞ ሕይወት በቲ ሓቂ ክንጉዓዝ መንፈስካ ልአኸልና ንበሎ። መንፈስ ቅዱስ አብ ዝሓበረን ሓደ ሕልና ዝሓዘን ልቢ አሎ። መንፈስ ቅዱስ ጽሙና፥ ጸሎት፥ ትሕትና፥ክርኢ ይደሊ። ቅዱስ ጳውሎስ ልብና ማሕደር መንፈስ ቅዱስ ክንገብሮ ይምህረና። መንፈስ ቅዱስ አብ መስጢራት ተቐቢልናዮ ንቕበሎ እውን አሎና እሞ ሎሚ እውን ብዝተሓደሰ መንፈስ ክረኽበና ክንረኽቦ ንጽዋዕ አሎና። መንፈስ ቅዱስ ዝተቐበለ ልቢ ምልክቱ ፍቕሪ ስብከት፥ ሓድነት እዩ እሞ ነዚ መንፈስ አውርደልና ንበሎ።

ጽባሕ አብ ሃገርና ሎሚ አብዚ ሃገር፥ ናይ ሃገርና መበል 19 ዓመት ነጻነት ነብዕል አሎና። ወለድና፥ አሕዋትና፥ አሓትና፥ ኩሎም ሓቢሮም ዘምጽእዎ ህያብ ነጻነት እዩ። ኩልና ከም እንፈልጦ ነጸነት ክትረክብ ክንደይ መስዋዕትን መከራን ከምተሕልፍ ተመኪርናሉ ኢና። ንአና ነጸነት ዝብሃግና ካልእ ብዛዕባ ነጸነት ክምህረና ዝኽልእ የለን። እዚ እቲ ሓቢሩ አብቲ ነጻነት ዘብጽሓና ጎደና እዩ። ሎሚ ዘድልየና ነቲ ዝተዋህበና ነጸነት ተቐቢልና ከምቲ ዝበሃግናዮዶ ንጉዕዝ አሎና ወይስ ጎደና ቀይርና ንነጻነት ብስም ንነብሮ አሎና። ታሪኽ ከም ዝሕብረና አብ ብዙሓት ሃገራት ቀዳማይ ነጻነት ዝረኸባ ብዙሓት አለዋ ነቲ ቀንዲ ነጻነት ጌና ዘይረኸባኦ አብ አምሰሉ ንነጻነት ዝነብሩ አለዉ። ንሕና ከመይ አሎ ጉዕዞ ነጸነትና ክንብል ናይ ነፍስወከፍና ሕቶ ክኸውን ይግባእ። ነጻነት ሃገረ ናይ ግለ ሰባት አይኮነን ናይ ኩሉ እዩ ኩሉ ዝግደሰሉ ዝሓመሉ ክኸውን አለዎ ሽዑ ነጸነት ዋናታት አለውዎ ይብሃል።

አብ ጉዕዞ ነጻነት ከም ክርስትያን መጠን ክንገብሮ ክንፈልጦ ዘሎና ነገራት አሎ። ጸሎት ክንገብር ምእንቲ ሰላም፥ ፍቕሪ ምትሕብባር አብ መንጎና፥ አብ መንጎ ጎረባብትና ክሰፍን። ጸሎት ምእንቲ መራሕቲ ሃገር አምላኽ ብርሃኑ ከብርሃሎም አብ የማን ክመርሖም። ክርስትያን ጸሎት ዘብጽሕ ክኸውን እንከሎ ሽዑ ሃገር አብ ቅኑዕ ጎደና ትጉዓዝ። ሓላፍነት ክስምዓና አለዎ ስምዒት ከምልከና የብሉን። አብ ገለ ሰባት ስምዒት ዝመርሖም አለዉና ስምዒት ክንብል ከሎና ብርቱዕ ፍቕሪ ሃገር ዘልኦም ዕዉር ፍቕሪ ሓላፍነት ዝጎደሎ ይኽፋእ ይጸብቕ ሃገረይ ዝብሉ አለዉ ገለ ኸአ ብዕዉር ጽልኢ ተመሪሖም ንሃገር ጥፍአታ እምበር ህላዌአ ዘይደልዩ አለዉ። ክርስትያን አብ ክልቲኡ ክህሉ አይግባእን። ሃገር ምእንቲ ሰባት አይኮናን እነኽብራ ሃገርና ዓድና አምላኽ ዝሃበና ስለ ዝኾነት ናታ ክፉእ የጉህየና ናታ ጽቡቕ የዅርዓና። ሃገር ክንብል ከሎና ሓደ መለኮታዊ ነገር ዘይኮነ ናተይን ናታትኩምን አብ ዓለም አምላኽ ዝሃበና ክነብረላ አብዚ ምድራዊ ሕይወት ከምቲ አምላኽ ዝሃበና ብሕጉስ ጉዕዞ ሕይወት ክነብር ዝተዋህበትና ዓዲ እያ። ኩልና ክንሓልየላ ክንጽልየላ ክነፍቅራ ሕልናዊ ሓልፍነት አሎና።

ሃገር ሓላፍነት ክንለብስ ትሓተና። ንሃገር ዋናታታ ንሕና ኢና። ከም ደቂ ሃገር እምብአር እዛ ሃገር ናይ ኩሉ ኮይና ክትርከብ ነጻነት ርትዒ፥ ምትእምማን ሓልዮት ክሰፍና ናይ ነፍሲ ወከፍና ሓለፍነት እዩ። ሓንቲ ሃገር ማዕቢላ ሰላም አልአ መነባብሮ ሰባት ከምቲ ዝድለ አሎ ክትብሃል ናይ ኩሉ ዜጋ ምስታፍ፥ ምስሃር የድሊ። “ሃገረይ እንታይ ገራትለይ ዘይኮነ ዘድሊ እንታይ ገረላ ንሃገረይ” ዝብል ሓላፍነት ዝመልኦ ሓሳብ አብ ኩልና ደቂ ሃገር ክርከብ ይግባእ።

እዛ ተረኪብናያ ዘሎና ሃገር አምላኽ ምስ ፈቐደ ብመስዋዕቲ እንፈትዎም አሕዋትና ወለድና እያ ተረኺባ። ከቢድ ሓላፍነት አሎና። ሕድሪ ብሞት ምእንቲ እዛ ሃገር ዝሓለፉ። ሃገር ከም ሃገር ክትቅጽል ናይ ኩልና ሕልናዊ ሓልፍነት ክንለብስ ይግብአና። ገለ እዋን አብቲ ጊዝያዊ ኩነታት ነተኩር እሞ አንፈትና አጥፊእና አብ ምትሕምማይ ምፍርራድ አብ መአዝኑ ዝሰሓተ ነገራት ንወድቕ። ሎሚ ነዚ ከምዝን ካልእን ንኹልና ዝጸሉ ድኹም መንፈስ ክንአልዮ ሓዲስ ሕልና ክነጥሪ ጊዚኡ እዩ።

አብ መንጎና ሓድነት ቀንዲ እዩ፥ ሓደ ከይኮንካ ምዕባሌ ምርድዳእ ክመጽእ አጸጋሚ እዩ። ነፍስወከፍና ሃንዳስቲ ሓድነት፥ ፍቕርን ክንከውን ሽዑ ንጎደና ነጻነት ልብና ከፊትና ክንጉዓዝ ኢና። ሰብ ዝፈርሕ አብ ሕይወቱ ዘይተአማመን ክኸውን እንከሎ ጥራሕ እዩ። ካልእ ጸልዩና ነጻነት ሰባት ክንትንክፍ ወይ ንሰባት ክንፈርድ ክንርከብ ከሎና ንሃገርና መንሽሮ ነእትወላ። ሃገር ናይ ኩሉ እትኸውን ኩልና ብሓደ መንፈስ ክንጉዓዝ እንከሎና ክንመሓሓር ከሎና ልዕሊ ኹሉ ሃገርና ናይ አምላኽ ክንገብራ ከሎና ጥራሕ እዩ።

ሎሚ ብዓል ጰራቅሊጦስ እናዘከርና ከሎና ፍሉይ ጸሎት ምእንቲ ሃገርና ነዕርግ። ኦአምላኽና ዝኾንካ መንፈስ ቅዱስ ነዛ ብዝተፈላለየ ጸገማት እትሳቐ ዘላ ሃገርና ሰላም ፍቕሪ አውርደላ ንኹሎም አብ መንፈሳውን ዓለማውን ሓልፍነት ዘለዉ ብርሃን ጸጋኻ አውሪድካ ንህዝብና አብ ሓቅን ቅሳነትን ዝመርሕዎ ግበሮም ንአና ኸአ እሙናት አብ ኩሉ ኮና ብሓቅን ርትዕን እንጉዓዘሉ መንፈስካ አውርደልና ንበሎ።

ንሓዋርያት አኪባ አብ ምቕባል ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ዘብጽሐት ማርያም ሎሚ እውን ንኹልና ክትመርሕ ታቦት መንፈስ ቅዱስ ኮና ክንጉዓዝ ክትመርሓና ትኽእል እያ እሞ ንለምና። ብፍላይ ሀገርና ህያብ ማርያም እያ። ብኽያት ደቃ ይአክል ዝበለት ሎሚ እውን ንወዳን መንፈስ ቅዱስን አብ መንጎና ክሓድሩ ናታ አማላድነት ዓቢ ተራ አልኦ ሓግዝና አክብና ምርሕና ንበላ። ማርያም አብ ዘላቶ ኩሉ አሎ እሞ ተለመንልና ንበላ።

ርሑስ ብዓል ጰራቅሊጦስ ንኹልና።
ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ







All the contents on this site are copyrighted ©.